ሓጋይ ኩነታት ኣየር

This content has been professionally translated in other languages.

Este contenido ha sido traducido profesionalmente a otros idiomas.

此內容已被專業翻譯成其他語言。

此内容已被专业翻译成其他语言。

Nội dung này đã được dịch chuyên nghiệp sang các ngôn ngữ khác.

Qoraalkan waxaa si xirfad leh loogu turjumay luqado kale.

Ang nilalamang ito ay propesyonal na isinalin sa ibang mga wika.

이 콘텐츠는 전문적으로 다른 언어로 번역되었습니다.

ይህ ይዘት በሙያዊ በሌሎች ቋንቋዎች ተተርጉሟል።

Этот контент был профессионально переведен на другие языки.

このコンテンツは専門的に他の言語に翻訳されています。

እዚ ትሕዝቶ ብሞያዊ ኣገባብ ብኻልእ ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ።

Qabiyyeen kun ogummaadhaan afaanota birootiin hiikameera.

इस सामग्री का व्यावसायिक रूप से अन्य भाषाओं में अनुवाद किया गया है।

Ce contenu a été traduit professionnellement dans d'autres langues.

Цей вміст було професійно перекладено іншими мовами.

ខ្លឹមសារនេះត្រូវបានបកប្រែដោយវិជ្ជាជីវៈជាភាសាផ្សេង។

تمت ترجمة هذا المحتوى بشكل احترافي إلى لغات أخرى.

ናብ'ቲ ናይ ዊንተር ህቦብላታት ንምድላው ዝሕግዙኹም ፍልፍላት ሓበሬታ ትረኽቡሉን፡ ከምኡድማ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT) ኣብ ሲያትል ብውሑስ መንገዲ ምንቀሳቐስ ክህሉ ናይ ምግባር ምላሽ ብኸመይ ከምዝህብን ትፈልጡሉ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ግብረመልሲ ኩነታት ኣየር ዊንተር እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም።

ነቲ ኣብ ቈራሪ ወርሓት (ክረምቲ) ዚህሉ ዅነታት ኣየር ተዳሎ

  • ንጐረባብትኻ ሓግዞም።
  • ሙቐት ይሃልኻ። ንዝሑል ኩነታት ኣየር ምድላው ግበር።
  • ናይ በረድ መጽረጊ ናውቲ ይሃልኻ።
  • ናይ መጀመርታ ረድኤትን ህጹጽ ረድኤትን ኣዳሉ።
  • ነቶም እተሓርሱ መገድታት ተምሃሩዎም።
  • ነቶም ናይ ኩነታት ኣየር ትንበያታት ተኸታተል።

ቅድሚ ዉርጪን በረድን ምምጽኡ

  • ቅድሚ እቲ ናይ በረድ ማዕበል ነቶም ዘድልዩኻ ነገራት ዓቅብ። ናይ ስድራ-ቤት ትልሚ ህጹጽ ኩነታት፣ ስልኪን ተንቀሳቓሲ ቻርጀርን፣ ብባትሪ ትሰርሕ ራዲዮ፣ ናይ በረድ መጽረጊ ባዴላ፣ ናይ ጎደና ጨው ዝሓዘ ቦርሳ፣ ሙቐት ዝህቡ ክዳውንቲ፣ ተወስኽቲ ኮቦርታታት፣ ናይ ኢድ መብራህቲታት፣ ናይ መባእታዊ ሓገዝ ሕክምና ኪትን፣ ከምኡድማ እንተነኣሰ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝኸውን ናይ መግቢ/ማይ/መድሓኒት ቀረብ ይሃልወካ።
  • ንምድላው ክሕግዘካ ምእንታን ነቲ ናይ ሓጋይ ማዕበል በረድ መፈተሺ Winter Storm Checklist ኣውርድ። ነቲ ናይ ኩነታት ኣየር ትንበያ weather forecast ተኸታተል፣ እንተደኣ ከቢድ ኩነታት ኣየር ከጋጥም ኮይኑ ትልሚታት ኣዳልው። 

ምድላዋት ኩነታት ኣየር ዊንተር/ሓጋይ

ጉዕዞታት ቀንስ፣ ግድን ክትጎዓዝ እንተደኣ ኣለካ ኮይኑ ግን፣ ነዞም ዝስዕቡ ናውቲታት
ኣብ ተሽከርካሪኻ ሓዝ፡
• ሙቐት ዝህቡ ክዳውንቲን ኮበርታን ኣብ ናይ መኪና ናይ ኣቑሑ መቐመጢ ምሓዝ
• ስንሰለታት ወይ ካልኦት ናይ መጉተቲ መሳርሒታት ኣብ ናይ መኪና ናይ ኣቑሑ
መቐመጢ ምሓዝ
• ናይ ጋዝ ታንክ ምሉእ ምግባር፣ ጸረ-በረድን ከምኡ ድማ ገመድ መበራበሪ ባትሪ ማኪና
ο ናይ ጠዓሞት መግቢታትን ማይን
• መፋሕፍሒ/ባዴላ ኣብ ናይ መኪና ናይ ኣቑሑ መቐመጢ ምሓዝ
• ናይ ቅድሚት መስትያት ማኪና በረድ መሕከኺ
• መብራህቲ፣ ላምባዲና ኣብ ናይ መኪና ናይ ኣቑሑ መቐመጢ ምሓዝ
• ናይ ስድራቤት ናይ ህጹጽ ኩነታት ውጥን
• ምስ ውጥናት ቤት ትምህርቲን ናይ ህጻናት መውዓሊን ምፍላጥ
• ኣማረጽቲ ናይ መጽለሊ ውጥናትο ናይ በረድ ግዜ መጉዓዚ መስመራት ምፍላይ
• ሞባይል ስልኪን ተንቀሳቓሲ ቻርጅ መግበሪን
• ናይ ህጹጽ ኩነታት ናይ ጭንቀት መሐበሪ ሰንደቕ
• ናይ ወረቐት ካርታ

ብባትሪ ዝሰርሕ ራድዮ/ላምባዲና
• ተንቀሳቓሲ ስልኪ፣ ዝንቀሳቐስ ቻርጅ መግበሪን፣ ከምኡድማ ተወሰኽቲ ባትሪታትን
• መግቢን ማይን
• አድለይቲ መድሃኒታትን ናይ መባእታዊ ርዳእታ መውሃቢ ናውቲታትን
• ናይ ስድራቤት ናይ ህጹጽ ኩነታት ውጥን

አስተውዕል! ፈጺምካ ናይ ፈሓም መጥበሲታትን ተንቀሳቐስቲ ናይ ጋዝ ካምፕ ምድጃታትን ኣብ
ውሽጢ ገዛ ካብ ምጥቃም ተዓቀብ።

እቲ ናይ ፈሓም ትኪ ንሞት ዘብጽሕ ሓደገኛ ነገር እዩ።

ካርታታት ኩነታት ኣየር ዊንተር

ናይ'ቶም ጎናዊ ናይ ኣጋር መገዲታት ዝኾኑ ጽርየት ሓልው

ህቦብላ በረድ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ነቶም ኣብ ቅድሚ ገዛኻ ወይ ስራሕካ ዝርከቡ ናይ ኣጋር መገዲታት ጽሩያት ክኾኑ ግበር። ኩሉ ሰብ ውሕስነቱ ተሓልዩ ክንቀሳቐስ ምግባር፣ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐሱ ጸገም ዘለዎም ሰባት ምሕጋዝ ሕጋዊን ትኽክለኛ ጉዳይን እዩ።

ሲያትል ልዕሊ 2,400 ማይልስ ዝንውሓቱ ናይ ኣጋር መገዲታት ኣለዋ፣ በዚ ድማ ሰራሕተኛታትና ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኩሉ ቦታታት ክርከቡ ኣይክእሉን’ዮም። እቲ ካባ'ኻ ትጽቢት ዝግበር ስራሕ ክትሰርሕ ኣባኻ ንተኣማመን ኣለና፣ ንሕና ድማ ነቶም ካብ ናይ ብብሕታዊነት ዝውነኑ ህንጻታት ርሒቖም ዝርከቡ ናይ ኣጋር መገዲታትን ናይታ ከተማ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ጎደናታትን ንምጽራግ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ኢና።

  • ኣዳልው — ቅድሚ እቲ ሆብብላ ምምጽኡ ዘድልዩ ኣቕሑት ምቕራብ። ናይ በረድ መጽረጊ ባዴላ፣ ሓደ ከረጢት ናይ ጎደና ጨው፣ ሙቐት ዝህቡ ክዳውንቲ፣ ተወሳኺ ኮባርታታት፣ ላምባዲናታት፣ ናይ መባእታዊ ሕክምና ሓገዝ ኪት፣ ከም'ኡ ድማ እንተነኣሰ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝኾነካ ምግቢ/ማይ/መድሓኒት ይሃልውካ።
  • ቅድሚ ዉርጪ ምዃኑ — በረድ ከይፍጠር ንምግባር፣ ናብ'ቲ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ናይ ኣጋር መገዲ፣ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝግበረሎም ጎደናታት፣ ከምኡድማ ናይ ከርብ ራምፕታት ናይ በረድ ጨው ምብታን (ወይ ካሊእ ምስ'ቲ ከባቢ ኣየር ዝሰማማዕ ምህርቲ) ምግበር።
  • ድሕንነት ጎረቤትካ አረጋግጽ - ጎረቤትካ ዝኾነ ሰብ ሓገዝካ የድልዮ ከይኸውን አረጋግጽ። ነቶም ኣብ ጥቓ እቲ ዘለኻሉ ብሎክ ዝርከቡ ናይ ኣጋር መገዲታት፣ ናይ መብረቕ መቕበሪታትን፣ ኣብ ማዕዘን መንደቕ ዝርከቡ ከርብ ራምፕታትን ካብ በረድ/ዉርጪ ናጻ ኮይኑ ክቕጽል ብሓንሳብ ስርሑ ፕላን ሒዝኩም ድማ ምጹ።
  • በረድ ክዘንብ እንከሎ - ነቶም ናይ ኣጋር መገዲታት ጽረግ- ነቶም ኣብ ቅድሚ ገዛኻ ወይ ንግዳዊ ትካልካ ዝርከቡ ናይ ኣጋር መገዲታት እቲ በረድ ቅድሚ ምፍጣሩ አጽርዮም ኢኻ።

ምስRooted in Rights ብምትሕብባር፡ ሰባት በረድን ዉርጪን ካብ ኣብ ጎድኒ ገዛዉቶም ዘለዉ ናይ ኣጋር መገዲታት፣ ንግዳዊ ትካላትን፣ ናይ ስራሕ ቦታታት ምጽራግ ዝህልዎ ጥቕሚ ዝምልከት ትምህርቲ ንምሃብ ቪድዮ ኣዳሊና። እዚ ሓበሬታ እዚ ኩሉ ሰብ ድሕሪ ናይ ዊንተር ህቦብላ ንኽዘውር ቀሊልን ውሑስን ዝገብሮ እዩ!

ጎረቤትካ ሰላም ምዃኑ ኣረጋግጽ   

እንተደኣ ሓገዝካ ዝጠልብ ከም ዝኾነ ትፈልጥ ኮይንካ፣ ኬድካ ሕተቶም። ምስ ጎረባብትኻ ብሓባር ብምስራሕ፣ እቶም ኣብ ከባቢ እቲ ትነብረሉ ብሎክ ዘለዉ ናይ ኣጋር መገዲታት፣ ናይ ውሑጅ መኽየዲታትን፣ ናይ ማእዘን ከርብታትን ካብ በረድ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ሓባር ትልሚ ኣውጽኡ።

ጎረባብቲ ንጎረባብቲ ኣብ ምሕጋዝ

ነቲ ኣብ'ቲ ትነብረሉ ማሕበረሰብ አከባቢ ዘሎ በረድ ኣብ ምጽራግ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ድልየት ኣሎካዶ? ነቲ ናይ ርክብ ሓበሬታኻ ምስ ናይ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT) ናይ ዓማዊል ክንክን ብ 684-Road@seattle.gov ኢሜይል ብምልኣኽ ወይ ናብ ‪(206) 684-7623‬ ብምድዋል ክተካፍል ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናይ ርክብ ሓበሬታኻ ን ሓደ ኣብ'ቲ ትነብረሉ አከባቢ ዝርከብ ዓብዪ ሰብ ወይ ሽማግለ ወይ ምስ ሓደ ናይ ምንቅስቓስ ጸገም ዘለዎ እሞ ሓገዝካ ዝጠልብ ሰብ ክነካፍሎ ንኽእል ኢና። ስለ'ቲ ዘርኣኻዮ ድልየት የቐንየልና። 

ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ኣጋር መገዲ ኣብ ምጽራግ ሓገዝ የድልየካ ድዩ? ብ 684-Road@seattle.gov ክትረኽበና ወይ ናብ ‪(206) 684-7623‬ ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ብዝከኣለና መጠን ናይ ሓጋይ/ዊንተር ወቕቲ ቅድሚ ምእታዉ፣ ምስ ሓደ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ወለንታዊ ክነራኽበካ ክንጽዕር ኢና።

Transportation

Adiam Emery, Interim Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.