ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ መንገዲ ንኣውቶቡስ ጥራይ

አማርኛ • اَلْعَرَبِيَّةُ • 繁体字 • af-Soomaali • Español • Tagalog • ትግርኛ • Tiếng việt • English简体中文한국어日本語

ዝተሓደሰሉ መስከረም 19, 2022

ምምሕያሽ ኣብ ምትእምማን ኣውቶቡስን ግዜ ጕዕዞን 

ሐዚ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

ምስ ኪንግ ካውንቲ ብሓባር ብምዃን ነቲ ካብ Rainier Ave S ክሳብ S Grand St. ንኣንፈት ሰሜን ተዘርጊሑ ዝርከብ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያ ንምንዋሕ ዘለዉ ኣማራጺታት ኣብ ምግምጋም ንርከብ። ብዛዕባ ኣማራጺታት ንምግፋሕ እዞም ኣብ Rainier Ave S ዝርከቡ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያታት፣ ተሞክሮኻ ኣብ Rainier Ave S ኣብ ዝገበርካዮ ጉዕዞ፣ ብኣውቶቡስ ኣብ ምጉዓዝ ን/ወይ ዝያዳ ጉዕዞታት ብኣውቶቡስ ክትገብር ዘተባብዓካ ምኽኒያት እንታይ ከምዝኾነ ኣመልኪትካ ዝህልወካ ሓሳባት ክንሰምዕ ንደሊ። ብኽብረትካ ነዚ ዳህሳሳዊ መጽናዕትና ውሰድ!
ካብ'ዚ ብተወሳኺ ኣብ'ቲ ኣብ ጥቅምቲ 25, 2022፣ ካብ ሰዓት 5:30 - 7 ድ.ቀ. (p.m) ዝካየድ ቨርቹዋል ህዝባዊ ዋዕላ እውን ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። እንተደኣ ካብ ክፍሊት ናጻ ዝቐርቡ ናይ ትርጉም ኣገልግሎታት ትደሊ ኮይንካ፣ በቲ ምርጫኻ ዝኾነ ቋንቋ ተጠቒምካ ናብ TransitLanes@seattle.gov ኢሜይል ክትልእኸልና ንላበወካ። ናብ'ቲ ህዝባዊ ዋዕላ ንምጽንባር ነዚ መላግቦ (ሊንክ) እዚ ተጠቐም።  

Join the public meeting online using this link:

https://seattle.webex.com/seattle/j.php?MTID=mf00ad4b5c8710b01264144f9742c9612

Webinar password: ZRqnvrEE822 (97768733 from phones)

Webinar number: 2497 593 1882

Join the public meeting by phone:

+1 (206) 207-1700 United States Toll (Seattle)

+1 (408) 418-9388 United States Toll

Access code: 249 759 31882

መዓርጋት ንምርኣይ

ብዛዕባ እቶም ንሓስበሎም ዘለና ኣማራጺታት ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ'ዚ ወብ ሳይት እዚ ቀሪቡ ኣሎ። 
ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት እዋናዊ ሓበሬታ ክብጽሓካ ምእንታን ን ናይ ኢሜይል እዋናዊ ዜናታት ተመዝገብ።  
ብዛዓባ ናይ መስመር ኣውቶቡሳት-ጥራሕ (bus-only) ዝምልከቱ ቅልጡፋት ሓቂታት
  • እቶም ኣናእሽተይ መካይንን ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይንን ዝገንሑ ሰባት ኣብ'ቶም ናይ "bus-only" (አውቶቡሳት-ጥራይ) ዝብል ምልክት ዝተገብሮም መስመር መጎዓዚያታት ክጎዓዙ ኣይኽእሉን። እቶም ቀይሕ ሕብሪ ዝተገብረሎም መስመር መጎዓዚያታት ኣብ መዓልቲ ን 24 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ድማ ን 7 መዓልቲታት ኣውቶቡሳት ጥራሕ ክኸዱሎም ዝግበሩ እዮም።
  • መኪና ዝሓዙ ሰባት ናብ ጎደናታት ንየማን ገጽ ተዓጺፎም ክኣትዉ ወይ ኣብ መስቀላዊ መንገዲታት እንተኾይኖም ናብ'ቲ ናይ bus-only (ኣውቶቡስ-ጥራይ) መስመር መጎዓዚያ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም።
  • ብሽክለታ ዝዝውሩ ሰባት ነቶም ናይ ኣውቶቡስ-ጥራይ መስመራት ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
  • እተን ናይ ህጹጽ ግዜ ኩነታት መልሲ ዝህባ ተሽከርከርቲ ነቲ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራይ መስመር መጎዓዚያ ኣብ እዋን ፍጻመታት መልሲ ንምሃብ ክጥቀማ ይኽእላ እየን።
  • እተን ናይ ህዝባዊ መጎዓዚያ ተሽከርከርቲ ጥራሕ እየን ኣብ'ቲ ኣውቶቡስ-ጥራይ "bus-only" ኢሉ ምልክት ዝተገብሮ መስመር መጎዓዚያ ክጎዓዛ ዝፍቀደን። እዚ ነተን ናይ ቤት ትምህርቲታት ኣውቶቡሳት፣ ቫንፑልስ፣ ናይ ስራሕ ሰርቪሳት፣ ሞተር ሳይክላት፣ ካርፑልስ ወይ ቻርተር ኣውቶቡሳት ዘጠቓልል ኣይኮነን።  

ን ናይ ኣውቶቡስ-ጥራይ (bus-only) መስመር መጎዓዚያታት፣ ሓዊሱ ብዛዕባ ናይ ትራንዚት መስመር መጎዓዚያታት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ትራንዚት መስመር መጎዓዚያ transit lane webpage ርአ።

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ፕሮጀክት

እቲ ንኣውቶቡስ ጥራይ ዝተሓዝአ መገድታት፡ ኣውቶቡሳት ካብ ካልኦት መኻይን ብምፍላይ ዝያዳ ብዜተኣማምን ከም ዚንቀሳቐሳ ከምዝኸዉን እዩ ዚሕግዝ። እቲ ንኣውቶቡስ ጥራይ ዝተሓዝአ መገድታት ነቲ ግዜ ጕዕዞ ኣውቶቡስ የሕጽሮ፡ ብፍላይ ትራፊክ ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ነቲ ምስ ብዝሒ መኻይን ዚተሓሓዝ ምድንጓያት ይንክዮ። ሸቶና ንዅሎም እቶም ኣብ ሲያትል ዚነብሩ፡ ዚሰርሑን፡ ዚበጽሑን፡ ሰባት ብቐሊል ዝብጻሕ፡ ምቹእን፡ ዜተኣማምንን፡ ምርጫ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ምግባር እዩ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ እንጽዕረሉ ዘሎና መገድታት ነቲ ብኣውቶቡስ ጥራይ እንጥቀመሉ መገድታት ብምስፋሕ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኼንቀሳቕሶም ዚኽእል ዜተኣማምንን ውጽኢታውን ናይ መጉዓዝያ መስርሕ ብምፍጣር እዩ።

ኣብ ረይነር ቫሊይ ተኣማምንነት መጉዓዝያ ንምምሕያሽ ምስ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ሓቢርና ንዓዪ ኣሎና። መስመር 7 ሓንቲ ኻብተን ኣብ ሲያትል ዚርከባ ብስራሕ ትሑዛት መገድታት ኣውቶቡስ እያ፣ ኣብ መዓልቲ 8,000 ተጉዓዝቲ ብምምልላስ (ቅድሚ እቲ ለብዒ ኣብ መዓልቲ 11,200 ተጎዓዝቲ) የገልግል። እተን መስመር 7 ዝዀና ኣውቶቡሳት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቒቕ ወይ ቀልጢፈን ክመጻ እኳ እንተ ተመደባ፡ ብምኽንያት ብዝሒ ተሽከርከርቲ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳዉዝ ኣውቶቡሳት መብዝሕትኡ ግዜ ይድንጉያ ኢየን። ኣብ'ዚ ኣገዳሲ መራኸቢ መስመር'ዚ (corridor) ኣብ ኣውቶቡሳት ዘሎ ምትእምማን ንምምሕያሽ ዝሕግዝ፡ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳዉዝ ኣውቶቡሳት ጥራይ ዝኸዳሉ ጽርግያ ንውስኽ ኣለና። እዚ ዕዮ እዚ ኣብ ክልተ ደረጃታት ኺፍጸም እዩ፦

ምዕራፍ 1 (ኣብ ሓምለ 2022 ዝተዛዘመ) ኣብ መንጎ S Alaska St ን S Walden St ዝርከብ ንኣንፈት ሰሜን ዝዝርጋሕ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያን፣ ከምኡድማ ኣብ መንጎ S Oregon St ን S Edmunds St. ዝርከብ ንኣንፈት ደቡብ ዝዝርጋሕ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያ ሃኒጽና ኣለና። ዝነበረ መስመር መጎዓዚያ ናብ ሓድሽ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያ ዝተቐየረ እንትኾን፣ ዝኾነ ዝተወገደ ኣብ'ቲ ጎደና ዝነበረ ናይ መኻይን ጠጠው መበሊ ድማ ተኣልዩ። ኣብ'ተን ዝመጻ ዘለዋ ኣዋርሕ ናይ ተሽከርከርቲ ፍሰት ቅዲ ለውጢ እንተሃልዩን ብኸመይ ከምዝልወጥን ብዝሓሽ ክንርዳእ ምእንታን ነቲ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝን (Rainier Ave S) ኣብ ጥቕኡ ዘለው ጎደናታትን ዘሎ መጠን ፍሰት ተሽከርከርቲ ኣብ ምቁጽጻር ንርከብ። ብመሰረት እቲ ክሳብ ሐዚ ዘለና ሓበሬታ፣ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ነቲ ፍሰት ተሽከርከርቲ ንምርግጋዕ ወይ ንምቁጽጻር ዘኽእሉና ካልኦት ምትዕርራያት ወይ ካልኦት ለውጢታት ኣብ ግብሪ ክነውዕል ንኽእል ንኸውን ኢና። 

ምዕራፍ 2 (ኣብ 2022 ህዝባዊ ርክብ) ኣብ'ቶም ናይ ትራንዚት ጉዕዞታት ዘሎ ምትእምማንን ናይ ጉዕዞ ግዜን ዝያዳ ንምምሕያሽ ዘኽእሉና ክነካይዶም ንኽእሎም ተወሰኽቲ ለውጢታት ኣብ ምግምጋም ንርከብ፣ እዚ ድማ ነቶም ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያታት ኣብ Rainier Ave S ንኣንፈት ሰሜን ዝያዳ ክሰፍሑ ምግባር ዘጠቓልል እዩ። ኣብ'ዚ ሐዚ ሰዓት ነቲ ካብ Rainier Ave S ክሳብ S Grand St ንኣንፈት ሰሜን ተዘርጊሑ ዝርከብ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያ ንምናዋሕ ዘኽእሉና ኣማራጺታት ኣብ ምግምጋም ንርከብ። እዚ ዝግበር ለውጢ ነቶም ብኣውቶቡስ ዝጎዓዙ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ፍሰት ትራፊክ ዘለወለን ናይ ንጉሆ ሰዓታት፣ ነቲ ናይ ጉዕዞ ሰዓቶም ብ 5 ደቓይቕ ከምዝቕንሰሎም ትጽቢት ንገብር።

ክልተ ኣማራጺታት ኣብ ምግምጋም ንርከብ፡

  1. ካብ S Walden St ክሳብ S Grand St ቀጻልነት ዘለዎ ዘየቋርጽ ንኣንፈት ሰሜን ዝዝርጋሕ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያ፣ ሓደ ሓፈሻዊ መስመር መጎዓዚያን፣ ከምኡድማ በዓል ክልተ ኣንፈት ናይ ማእኸል መዕጸፊ መስመር መጎዓዚያ።
  2. ኣብ መንጎ S Walden St ን S Grand St ን ዝርከብ ቀጻልነት ዘለዎ ንኣንፈት ሰሜን ዝዝርጋሕ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያ፣ ንክልተ ንኣንፈት ሰሜን ዝተዘርገሓ መስመር መጎዓዚያታት ዝዕቅብን ነቲ ኣብ መንጎ S Grand St ን S College St ዝርከብ በዓል ክልተ ኣንፈት ናይ ማእኸል መዕጸፊ መስመር መጎዓዚያ ዘወገድን

ብዛዕባ እዘን ክልተ ኣማራጺታት ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ፣ ንረብሓታቶምን ካልኦት ኣብ ግምት ውሽጢ ዝኣትዉ ጉዳያት ሓዊሱ ኣብ ታሕቲ ተቐሚጡ ኣሎ። 

ኣብ'ዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ መንጎ S Walden St ን S Grand St ዘለዉ ህልው ኩነታት

  • ኣብ ክልቲ ኣንፈት ዝርከቡ ክልተ ሓፈሻዊ ናይ ትራፊክ መስመ መጎዓዚያታት 
  • በዓል ክልተ ኣንፈት ናይ ማእኸል መዕጸፊ መስመር መጎዓዚያ  

ናይ'ቲ ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ናይ ጎደና ንድፊ ዘርኢ ናይ ግራፊክ ስእሊ

ንኣንፈት ሰሜን ዝርኢ ስእሊ። 

ኣማራጺ 1

  • ካብ S Walden St ክሳብ S Grand St ንአንፈት ሰሜን ዝዝርጋሕ ቀጻሊ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጉዓዝያ
  • ሓደ ንኣንፈት ሰሜን ዝዝርጋሕ ሓፈሻዊ መስመር መጎዓዚያ
  • ክልተ ገጽ ዘለዎ ማእከላይ መስመር ይዕቅብ

ረብሓታት፡

  • ናይ ትራንዚት ጉዕዞ ዘተኣማምን ንምግባርን ናይ መገዲ ምስግጋራት ውሑሳት ክኾኑን ዘኽእል ሓድሽ ናይ ትራፊክ ምልክት ኣብ S Grand St
  • ኩነታት ፍሰት ትራፊክ ካብ'ቲ ልሙድ ዝያዳ ጽዕቕ ዝበሉ ኣብ ዝኾኑሉ ግዜ ዳርጋ ናይ 5 ደቓይቕ ናይ ትራንዚት ጉዕዞ ክዕቅብ (ከጉድል) ትጽቢት ይግበሮ
  • ነቶም ብአውቶቡስ ዝካይዱ ጉዕዞታት ዝያዳ ዘተኣማምኑን ማረኽቲን ናይ መጎዓዚያ መማረጺታት ክኾኑ ምግባር
  • ኣብ ናይ ከተማ ከባቢያዊ አየርን ሽቶታት ማዕርነትን ምምሕያሽ ክህሉ ይገብር

ኣብ ግምት ዝኣትዉ ነገራት፡

  • ኣብ'ተን ጎረባብቲ ጎደናታት ናይ ኣማረጽቲ ናይ ትራፊክ መገዲታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም
  • ናይ'ቶም ኣብ Rainier Ave S ንኣንፈት ሰሜን መኪና ዝገንሑ ሰባት ናይ ጉዕዞ ግዜ ኣብ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ዝላዓለ ጻዕቂ ፍሰት ትራፊክ ኣብ ዘለወሉ ሰዓት ብ 9 ደቓይቕ ክውስኽ ይኽእል እዩ
  • ብአውቶቡስ ኣብ ምጉዓዝ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ንምፍታሕ ተወሰኽቲ ወፍሪታት ምክያድ ከድሊ ይኽእል እዩ

ናይ ኣማራጺ 1 ናይ ጎደና ንድፊ ዘርኢ ናይ ግራፊክ ስእሊ

ንኣንፈት ሰሜን ዝርኢ ስእሊ። 

ኣማራጺ 2

  • ካብ S Walden St ክሳብ S Grand St ንአንፈት ሰሜን ዝዝርጋሕ ቀጻሊ ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጉዓዝያ
  • ኣብ መንጎ S Grand St ን S College St ዝርከብ፣ ክልተ ንኣንፈት ሰሜን ዝተዘርግሓ መስመር መጎዓዚያታት ዝዕቅብን ነቲ በዓል ክልተ ኣንፈት ናይ ማእኸል መዕጸፊ መስመር መጎዓዚያ ምውጋድን

ረብሓታት፡

  • ነቲ ናይ ትራንዚት ጉዕዞ ዘተኣማምን፣ ነቶም ናይ መገዲ ምስግጋራት ድማ ውሑሳትን ንምግባርን ኣብ S Grand St ን S College St ክልተ ሓደሽቲ ናይ ትራፊክ ምልክታት ይውስኽ። እቲ ኣብ S College St ዝትከል ሓድሽ ናይ ትራፊክ ምልክት ውሕስነቶም ዝተሓለወ ንጸጋም ምዕጻፋት ክህልዉ ዝገብር እዩ።
  • ኩነታት ፍሰት ትራፊክ ካብ'ቲ ልሙድ ዝያዳ ጽዕቕ ዝበሉ ኣብ ዝኾኑሉ ግዜ ዳርጋ ናይ 5 ደቓይቕ ናይ ትራንዚት ጉዕዞ ክዕቅብ ትጽቢት ይግበሮ
  • ኣብ'ቶም ክልተ ንአንፈት ሰሜን ዝተዘርግሑ መስመር መጎዓዚያታት ናይ I-90 ተበጻሕነት ከማልኡ ብዘኽእል መልክዕ ክዕቀቡ ምግባር
  • ነቶም ብአውቶቡስ ዝካይዱ ጉዕዞታት ዝያዳ ዘተኣማምኑን ማረኽቲን ናይ መጎዓዚያ መማረጺታት ክኾኑ ምግባር
  • ኣብ ናይ ከተማ ከባቢያዊ አየርን ሽቶታት ማዕርነትን ምምሕያሽ ክህሉ ይገብር

ኣብ ግምት ዝኣትዉ ነገራት፡

  • ኣብ መንጎ S Walker St ን S Holgate St ን ንኣንፈት ጸጋም ዝግበሩ ምዕጻፋት ይግድብ (ይድርት)
  • ናይ ኩሎም መስመር መጎዓዚያታት ግፍሒ ክመዓራረ ይሓትት
  • ኣብ'ተን ጎረባብቲ ጎደናታት ናይ ኣማረጽቲ ናይ ትራፊክ መገዲታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም
  • ናይ'ቶም ኣብ Rainier Ave S ንኣንፈት ሰሜን መኪና ዝገንሑ ሰባት ናይ ጉዕዞ ሰዓት ኣብ ናይ ንጉሆ ልዑል ጻዕቂ ፍሰት ተሽከርከርቲ ኣብ ዘለወሉ ሰዓት ብ 5 ደቓይቕ ክውስኽ ይኽእል እዩ
  • ብአውቶቡስ ኣብ ምጉዓዝ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ንምፍታሕ ተወሰኽቲ ወፍሪታት ምክያድ ከድሊ ይኽእል እዩ 

ናይ ኣብ መንጎ S Grand St ን S College St ዝርከብ ንድፊ ጎደና (ንኣንፈት ሰሜን ዝርኢ)ናይ'ቲ ኣብ መንጎ S Grand St ን S College St ዝርከብ ናይ ኣማራጺ 2 ጎደና ንድፊ ዘርኢ ናይ ግራፊክ ስእሊ

ናይ'ቲ ኣብ መንጎ S College St ን S Walden St ዝርከብ ጎደና ንድፊ (ንኣንፈት ሰሜን ዝርኢ) 

ናይ'ቲ ኣብ መንጎ S College St ን S Walden St ዝርከብ ናይ ኣማራጺ 2 ጎደና ንድፊ ዘርኢ ናይ ግራፊክስ ስእሊ

ኣብ'ዞም ኣማራጺታት እዚኦም ዘለካ ርኢቶ ክንሰምዕ ንደሊ። ብኽብረትካ ነዚ ዳህሳሳዊ መጽናዕትና ውሰድ!

ናይ ፕሮጀክት ቦታ ካርታ፦

ናይ Rainier Ave S ናይ ኣውቶቡስ ጥራሕ መስመር መጎዓዚያ፡ ምዕራፍ 1ን 2ን ናብ ላዕሊ Rainier Ave S ዝኸይድ ዘርእይ ናይ ፕሮጀክት ቦታ ካርታ።

ዝሰፍሐ ምስሊ ርአ።  

ድሕረ ባይታ ፕሮጀክት፦

Rainier Ave S ንሰባት ምስ ንግድን ባህላዊ ማእከላትን ናይታ ኸተማ ዜራኽብ ቀንዲ መተሓላለፊ መኻይን ጎደና እዩ። ብዘይካዚ ሰባት ኣቕሑ ናብ ዝደለይዎ ቦታ ኸም ዘግዕዙ ዚገብር ንእሽቶ መራኸቢ መስመር (ኮሪደር) ናይ ጽዕነት እዩ። ብተወሳኺ'ውን Rainier Ave S ንኪንግ ካውንቲ ሜትሮ መስመራት 4፡ 7፡ 9, 48፡ 50፡ ከምኡእውን 106 ዘገልግል ኣገዳሲ ናይ መጓዓዝያ ኮሪደር ኢዩ። መስመር 7 ኣውቶቡስ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ረይኒየር ቫሊን ብልምዲ ብግቡእ ዘይተወከሉን ግቡእ ኣገልግሎት ዘይረኽቡን ማሕበረሰባት ብቐጥታ ተገልግል ኢያ። ብዙሓት ኣብ ረይነር ቫሊ ዝነብሩ ሰባት ከባቢያዊ ኣገልግሎት ከም ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ድኳናት፡ ስራሕ፡ ቦታ ማሕበረሰባዊ ኣኼባታት፡ ዝኣመሰለ ንምርካብ መዓልታዊ ኣብ ኣውቶቡስ ቁጽሪ 7 ኢዮም ዝምርኰሱ። ኣብ'ቲ ለብዒ ኮቪድ-19 ዝነበረሉ እዋን ሰባት ኣብ መስመር ቁጽሪ 7 ይምርኰሱ ነበሩ እቲ መስመር ኣውቶቡስ ከኣ ኣብ'ቲ እዋን ለብዒ ገለ ካብቶም ዝለዓለ ቝጽሪ ተጉዓዝቲ ዘመላለሱ ነበረ።

ኣብ እዋን ለብዒ መስመር ቁጽሪ 7 ሓንቲ ኻብተን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘጓዕዛ እያ ነይራ። ኣብ ቀውዒ (ፎል) 2020 መስመር ቁጽሪ 7፡ 60% ናይ'ቲ ቕድሚ ኮቪድ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ ዓቂባ እያ። 

ማሕበረሰብ ጸለምቲ፡ደቀባት፡ ጸዓዱ ዘይኮኑን (BIPOC) ነቲ ኻብ ቀውዒ 2020 ኣትሒዙ ኣዝዩ ህቡብ ዝዀነ መገድታት ኣውቶቡስ ክጥቀሙሉ ከለዉ ዜርኢ ስእላዊ መግለጺ።

ዝሰፍሐ ምስሊ ርአ። 

እዚ ፕሮጀክት እዚ ኣብ ብምሉኡ እዋን ለብዒ ኮቪድ-19 ብዝሒ ተጎዓዝቲ ኣዝዩ ብዙሕ ኣብ ዝነበረሉ ቦታ ናይ ትራንዚትን ናይ ጕዕዞ ግዜን ዜተኣማምን ምዃኑ ምምሕያሽ ንምግባር ዜኽእል ናይ ቀረባ መጻኢ ግዜ ኣጋጣሚ ዀይኑ ብክፋል ተመርጸ። ኣብ'ዚ እዋን እዚ ነዚ ኢንቨስትመንት/ወፍሪ እዚ ብምግባር፡ ካብ'ቲ ለብዒ እንዳሓወና ክንከይድ ከለና ኣዉቶቡስ ንሰባት ዜተኣማምንን ስሉጥን ኣማራጺ መጓዓዝያ ምዃኖም ክቕጽሉ እዮም።

ናይ Rainier Ave S ፕሮጀክት ናይ ኣውቶቡስ ጎደና ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ርክብን ናይ ንድፊ ጻዕርታትን ናይ ትርንዚት ተኣማንነት ኣብ ረይኔር ቫሊ ንምምሕያሽ ዝተገብረ ፕሮጀክት እዩ። ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትልን (SDOT) ኪንግ ካውንቲ ሜትሮን ብ2017-2018፡ ከምኡውን እንደገና ብ2019-2020 ብዛዕባ ኣድላይነት መጉዓዝያን ቀዳምነታትን ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳዉዝ ከም ኣካል ናይRapidRide R Line project ካብ ማሕበረሰብ ርኢቶ ንምእካብ ምስ ህዝቢ ርክብ ጌሮም። በቲ ናይ ህዝቢ ርኢቶ ከም'ዚ ሰሚዕና፥

  • ሰባት ብረይኒየር ኣቨኑ ሳዉዝ ጌሮም ናብ ዝደልይዎን ኣገዳሲ ኣገልግሎት ናብ ዝረኽቡሉን ቦታ ንምብጻሕ ዜተኣማምን መጕዓዝያ ኺህሉ እዮም ዚደልዩ (ብዳዉን ታውን ጌርካ ካብ ምምልላስ)
  • ዝወሓደ ግዜ ንዚወስድን ምስ ካልእ ትራንዚት ዘራኽብን ናይ ትራንዚት ጉዕዞ ይድግፉ
  • ሰባት ብእግሮም ኪኸዱ፡ ብብሽክለታ ኺጐዓዙ፡ ከምኡውን ኮረር ብምባል ናብ መጸበዪ ኣውቶቡሳት ኪጐዓዙ ኸለዉ ዉሑስ ኩነታት (ብፍላይ ኣብ ጥቓ መጸበዪ ኣውቶቡስ ዝርከቡ መሰጋገሪታት)
  • ደገፍ ነቲ ኣብ መንጎ ቻይና ታዉን ኣይዲን (Chinatown-ID) ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ መደበር ባቡር ማዉንት ቤከር (Mt Baker) ሊንክ ላይት ረይልን ዘሎ ጎደና ንኣውቶቡስ ጥራይ
  • መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ኣብ ወሰን ጐደናታት ዘሎ ደው መበሊ ማኪና ንምእላይ ዝቐረበ ሓሳብ ይድግፍዎ ኢዮም ኣብ ክንድኡ ድማ ጎደና ንኣውቶቡስ ጥራይ ክህሉ ይደልዩ፡ እንተዀነ ግን ኣብ ንኣሽቱ ንግዳዊ ትካላት ከሕድሮ ዝኽእል ጽልዋ የተሓሳስብ ኢዩ 

ረብሓታት ፕሮጀክት

  • ኣብ ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ ጎደና ንኣውቶቡስ ጥራይ ምውሳኽን ምስፋሕን ኣብ ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ ኣብ ትራንዚት ዘሎ ምትእምማን ከመሓይሾ እዩ፡ እንተላይ ተደጋገምቲ መስመራት ምስ ብዙሕ ተጉዓዛይ ዘለወን ከም መስመር ቁጽሪ 7፡ 48፡ ከምኡድማ 106
  • ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ጎደናታት ንኣውቶቡስ ጥራይ ብምውሳኽ ትራንዚት መድሕን ህይወት ኰይኑ ብሓባር ኴንና ኻብቲ ለብዒ ኽንሓዊን እንደገና ኽንህነጽን ኸለና ንኪቕጽል ከምኡድማ ንማሕበረሰብ ረይነር ቫሊ ብዝሓሸ መገዲ ንኸገልግል የኽእሎ
  • እቲ ጎደና ንኣውቶቡስ ጥራይ፡ ብኣውቶቡስ ንዚጐዓዙ ንሰባት ምስቲ ኣብ 2023 ዝኽፈት ሓድሽ ላይት መደበር ባቡር ጁድኪንስ ፓርክ (Judkins Park) ብዘይ ገለ ጸገም ኬራኽቦም እዩ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ህሉው ነቑጣ ትራንዚት ኸም ላይት መደበር ባቡር ማዉንት ቤከር ከምኡውን መደበር ትራንስቲ ማክክለይላን ስትሪት (McClellan St) መደበር ሜትሮ ትራንዚት
  • ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ ንግሆ (ቅ.ቀ) ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብተደጋጋሚ ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ትህብ ኢያ፡ ናብ ሰሜን ገጻ እትኸይድ ሓንቲ ኣውቶቡስ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3.5 ደቒቕ ኢያ እትመጽእ። እቶም ጎደናታት ንኣውቶቡስ ጥራይ ንብዙሓት ሰባት ናብ'ቲ ዚመላለሱሉ ቦታ ኣብ ሰዓቱ ንኺበጽሑን ስሩዕ ናይ ጕዕዞ ጊዜ ንኺገብሩን ይሕግዝዎም እዮም። ብገምጋም ንግሆ ኣብ ዚግበር ጕዕዞ፡ እቶም ብኣውቶቡስ ዝጎዓዙ ሰባት፡ ጎደናታት ንኣውቶቡስ ጥራይ ምስ ተሰርሑ 2 ደቒቕ ኬድሕኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ብንግሆኡ ብዙሕ ሰብ ዚጐዓዘሉ እዋን፡ እቶም ብኣውቶቡስ ዚጐዓዙ ሰባት ንኣውቶቡስ ጥራይ ጎደናታት ተጠቒሞም 6 ደቒቕ ኬድሕኑ ይኽእሉ እዮም። 

ገምጋም ናይ ንግሆ ጊዜ ጕዕዞታትን፡ከምኡድማ ገምጋም ግዜ ጕዕዞታት ጻዕቂ መኻይን ኣብ ዝህልወሉ ዘርእይ ስእሊ።

  • እቲ ናይ ደረጃ 1 ፕሮጀክት ነቶም ብኣዉቶቡስ ኣብ ሞንጎ ሳዉዝ ኣላስካ ስትሪትን (S Alaska St) ሳዉዝ ዋልደን ስትሪትን (S Walden St) ንሰሜን ዝጐዓዙ ሰባት ልዕሊ 1 ደቒቕ ከድሕነሎም ኢና እንጽበ። እቲ ጎደና ኣውቶቡስ ጥራይ ዚጐዓዘሉ ናብ'ቲ ብብዝሒ መኻይን ዘለዎን መብዛሕትኡ ልዑል ጻዕቂ መኻይን ዘለዎን ማለት ናብ ሰሜን ገጹ ናብ I-90 ብምዝርጋሕ ዝያዳ ናይ ጉዕዞ ግዜ ከድሕን ኢና እንጽበ። 

ብዛዕባ እቲ ኣውቶቡስ ጥራይ ዚጐዓዘሉ መገድታት ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ ዝያዳ ተምሃር

እተን ናይ ትራንዚት መገድታት ምስ ተሃንጻ ኣውቶቡሳት ክንደይ ዚኣክል ግዜ እየን ክቕንሳ?

እቲ ናይ ደረጃ 1 ፕሮጀክት ምዝዛሙ ነቶም ብኣዉቶቡስ ኣብ ሞንጎ ሳዉዝ ኣላስካ ስትሪትን (S Alaska St) ሳዉዝ ዋልደን ስትሪትን (S Walden St) ንሰሜን ዝጐዓዙ ሰባት ልዕሊ 1 ደቒቕ ከድሕነሎም ኢና እንጽበ። እቲ ብኣውቶቡስ ጥራይ ዚጐዓዘሉ ጎደና ናብ'ቲ ብብዝሒ መኻይን ዘለዎን መብዛሕትኡ ልዑል ጻዕቂ መኻይን ዘለዎን ማለት ናብ ሰሜን ገጹ ናብ I-90 ዚዝርጋሕ እንተ ዀይኑ ዝያዳ ግዜ ከድሕን ኢና እንጽበ። ነዚኣቶም ግዜ ናይ ምቑጣብ ዓቕሚ ክህልዎም ዚኽእል ኸም ክፍሊ ፕሮጀክት ደረጃ 2 ጌርና ምግምጋምና ኽንቅጽል ኢና።

ሕጂ መገድታት ኣውቶቡስ ጥራይ እትውስኸሉ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ?

እዚ ፕሮጀክት እዚ ኣብ ብምሉኡ እዋን ለብዒ ኮቪድ-19 ብዝሒ ተጎዓዝቲ ኣዝዩ ብዙሕ ኣብ ዝነበረሉ ቦታ ናይ ትራንዚትን ናይ ጕዕዞ ግዜን ዜተኣማምን ምዃኑ ምምሕያሽ ንምግባር ዜኽእል ናይ ቀረባ መጻኢ ግዜ ኣጋጣሚ ዀይኑ ብክፋል ተመርጸ። ኣብ'ዚ እዋን እዚ ነዚ ኢንቨስትመንት/ወፍሪ እዚ ብምግባር፡ ካብ'ቲ ለብዒ እንዳሓወና ክንከይድ ከለና ኣዉቶቡስ ንሰባት ዜተኣማምንን ስሉጥን ኣማራጺ መጓዓዝያ ምዃኑ ክቕጽል እዩ።

ኣብ ደው መበሊ ማካይን ጽልዋ ክህሉ ድዩ?

ኣብ ደረጃ 1 ፕሮጀክት ኣብ ጐደናታት ደው መበሊ ማካይን ክህሉ ኢዩ። መደብ ፕሮጀክትን ንድፍን ኪቕጽል ከሎ ኣብ ደረት ጎደና ማካይን ደው ምባል ካብ ፕሮጀክት ደረጃ 2 ዚመጽእ ዝዀነ ይኹን ጽልዋ ኺውሰን እዩ።

ናብ ንግድን/ወይ መንበሪታትን ምእታው ኪቕየር ድዩ?

ኣይፋሉን፡ ኣብ ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ ዝርከብ መእተዊ ናይ ንግዲ ቦታታትን/ወይ መንበሪታትን ምስቲ ናይ ደረጃ 1ፕሮጀክት ኣይቅየርን ኢዩ። እቶም ማኪና ዝዝውሩ ሰባት ኣብ መስቀላዊ መገዲ ንክጥወዩ ወይ ናብ ንግዲታት ወይ መንበሪ ኣባይቲ ዝኸዱ ናብቲ መገድታት ንኣውቶቡስ ጥራይ ዝብል ክኣትዉ ይኽእሉ ኢዮም። ካብ ፕሮጀክት ደረጃ 2 ንምእታው ዚግበር ዝዀነ ይኹን ለውጥታት ገና ክውሰኑ እዮም።

ማካይንን ዓበይቲ ማካይንን ዚዝውሩ ሰባት እንታይ ጽልዋ ኼሕድሮም ይኽእል?

እቲ ናይ ደረጃ 1ፕሮጀክት ምስ ተሃንጸ ንኣሽቱ ማካይንን ዓበይቲ ማካይንን ዝዝውሩ ሰባት ኣብ ጕዕዞ ዘሕልፍዎ ዓቢ ጽልዋ ኣይንጽበን ኢና። ከም ኣካል ናይ ደረጃ 2 ፕሮጀክት መጠን፡ ኣብቶም ንኣሽቱ ማካይንን ዓበይቲ ማካይንን ዝዝውሩ ሰባት ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ብቐጻሊ ኸነጽንዕ ከምኡ'ውን ነዞም ጽልዋታት እዚኦም ንምቍጽጻር ወይ ንምቅላል ስትራተጂታት ከነናዲ ኽንሰርሕ ኢና።

ነቲ ኣብ ጐረባብቲ ዘሎ ብዝሒ ኣቋሪጸን ዝኸዳ ማካይን ብኸመይ ኢኻ እትፈትሖ ዘለኻ?

ገሊኦም ማኪና ዝዝውሩ ሰባት ካብቲ ብዙሓት ሰባት ዝመላለሱሉ ጐደናታት ንምርሓቕ ኣማራጺ ብመንበሪ ሰፈር መገድታት ክሓልፉ ከም ዝመርጹ ንፈልጥ ኢና። ነዚ ሕጂ ዘሎ መጠን ትራፊክ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ፕሮጀክት ደረጃ 1 ብዙሕ መእለዪ ትራፊክ (ወይ ኣማራጺ መገድታት ኪወስዱ ዚመርጹ ሰባት) ኪህሉ ኣይንጽበን ኢና።

ዝያዳ ጕዕዞታት ናብ ትራንዚት ምቕያር ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፥

  1. ንብዙሓት ሰባት ካብ'ቲ ዝያዳ ዜተኣማምን ስርዓት ትራንዚት ኺጥቀሙ ይሕግዞም
  2. ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዝተቐየረ መንገዲ ትራፊክ ዜምጽኦ ሳዕቤን ንምንካይ ይሕግዝ

ብ2022 ሰባት ብትራንዚት ንክጐዓዙ ዘጋጥምዎም ዕንቅፋታት ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ኽንፈትሖ ኸም እንኽእል ብዝያዳ ምእንቲ ኽንርዳእ ፕሮጀክት ደረጃ 2 እንዳኣማዕበልና ኸለና ተወሳኺ ወፍሪ ኽንገብር ኢና። ከም ኣካል እቲ ወፍሪ መጠን፡ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ብዝሓሸ መገዲ ንኽንርድኦ ምእንታን ኽንሰምዕ መደብ ኣውጺእና፥

  • ስክፍታታትን ክሰርሕ ዝኽእል ስትራተጂታትን ንምህዳእ ተሽከርከርቲ ኣብ'ቲ ኣቋሪጾም ዚሓልፉሉ ክንዓየሉ እንኽእል
  • ብዙሓት ሰባት ኣብ'ቲ ብዙሕ ሰብ ዘይበዝሓሉ እዋናት ዝያዳ ጕዕዞታት ናብ ትራንዚት ወይ ናብ ጕዕዞ ብምቕያር ጐደናታት ኣብ'ቲ ሰባት ማኪና ኺዝውሩሉ ዜድልዮም እዋን ንጹር ምእንቲ ኪኾኑ ዚሕግዝ ሜላታት

ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ ብሽግለታ ንዝዝዉሩ ሰባት ኣገዳሲ መስመር ኢዩ ። ነቶም ብሽክለታ ዝዝወሩ ሰባት ኵነታት ንምምሕያሽ እንታይ ምምሕያሻት ኢኻ እትገብር ዘለኻ?

ረይኔር ኣቨኑ ሳዉዝ ብሽክለታ ንዝዝዉሩ ሰባት ኣገዳሲ ጐደና ምዃኑ ሰሚዕና ምኽንያቱ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ጸፋሕን ቀጥታውን መገዲ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ ንመጓዓዝያን፡ ጽዕነትን፡ ንኻልኦት ማካይንን ዚኸውን ኣገዳሲን ብተደጋጋሚ ዚዝውተርን መገዲ እዩ። ብዛዕባ ኣብ ጐደናታት ዚግበር ለውጥታትን ውሱን ህዝባዊ መሬትን ውሳነ ኽንገብር ከለና ነዞም ድሌታትን ቀዳምነታትን ሚዛናዊ ክንገብሮም ኣሎና። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ እቲ ማሕበረሰብ ቀዳምነት ዝህቦም ኽልተ ዓበይቲ ነገራት ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳዉዝ ግጭታት ምንካይን ኣውቶቡሳት ከም ዝንቀሳቐሳ ምግባርን ምዃኑ ሰሚዕና ኢና።

እቶም ብብሽክለታ ዝዛወሩ ሰባት ብመሰረት Washington State law (ግዝኣታዊ ሕጊ ዋሺንግተን) ኣብ'ቲ ንአውቶቡሳት ጥራይ ዝፍቀድ ጎደናታት ተሽከርከርቲ ክጥቀሙ ይፍቀዶም እዩ። እቶም ብብሽክለታ ኣብ ወሰን መስመራት አውቶቡስ ዝዛወሩ ሰባት፣ እተን አውቶቡሳት ኣብ'ቲ ወሰን መስመር ጠጠው ከምዝብላ ብምዝካር ተጠንቂቖም ክጎዓዙ ኣለዎም። ብመሰረት እቲ ናይ ግዝኣት ሕጊ ዝብሎ፣ እቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ እዩ ቀዳምነት ዝረክብ። 

ዋላኳ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ (Rainier Ave S) ናይ ብሽኽለታ መስመራት ናይ ምህናጽ መደብ ዘየለ እንተኾነ፣ ነቶም ብእግሮም ዝጎዓዙ፣ ብብሽክለታ ዝዛወሩ፣ ወይ ድማ ሮል (ኮረር) ዝገብሩ ሰባት ዝሓሹ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ (Rainier Ave S) ገለ ምምሕያሻት ኣብ ምክያድ ንርከብ። መብዛሕቲኦም እዞም ዝካየዱ ምምሕያሻት ን Route 7 Transit-Plus Multi-Modal Corridor ሓዊሱ ምስ ካልኦት ኣብ'ቲ ከባቢ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ሓቢሮም ኣብ ምህናጽ ይርከቡ። እቲ ናይ 2014 Bike Master Plan ካብ ማውንት ቤከር ቦሎቫርድ (Mt Baker Blvd) ብሰሜን ገጽ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ (Rainier Ave S) ዝተሓጸሩ ናይ ብሽኽለታ መስመራት ክህልዉ ሓሳብ ዝህብ እዩ። ነቶም ናይ ኣውቶቡሳት ጥራሕ ዝኾኑ ጎደናታት ኣብ'ቲ ካልኣይ መድርኽ ፕሮጀክት ንኣንፈት ሰሜን ንምግፋሕ ዝህልዉና ኣማራጺታት ኣብ እንርእየሉ ግዜ፣ እቶም ኣብ ከባቢታት ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ዝነብሩ፣ ዝሰርሑ፣ ወይ ድማ ባኡ ኣቢሎም ዝጎዓዙ ሰባት ኣብ'ዚ እዋን እዚ ነቲ ጎደና ብኸመይ ይጥቀሙሉ ከምዘለዉን ኣብ ቀጻሊ ድማ ብኸመይ ክጥቀሙሉ ከምዝደልዩን ንምርዳእ ዘኽእሉን ናይ ህዝቢ ርክብ ስራሕቲ ክነሳልጥ ኢና።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ኣብ ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ ካልእ ለውጥታት ገይርና ኢና፡ ናይ ረይነር ኣቨኑ ሳዉዝ ዅነታትን ድሕንነትን ንምምሕያሽ፡ ገለ ኻብዚ ኸኣ ነቲ ናይ ፍጥነት ደረት ናብ 25 ማይል ኣብ ሰዓት ምንካይኣጋር ዝጥቀመሎም ምልክታት leading pedestrian signals፡ ከምኡውን ካልእ ናይ ድሕንነትን ህድኣትን ስጕምትታት ምውሳድ ከም ኣካል ፕሮጀክት ምምሕያሽ ረይነር ኣቨኑ ዝኣመሰለ።

ኣብ'ቲ ኸባቢ ንዝርከቡ ሰባት ብሽክለታ ዝዝዉሩሉ ኣብ ካልእ መገድታት ምምሕያሽ ገይርና ወይ ምምሕያሽ ንገብር ኣሎና ገለ ኻብዚ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ኢዩ፥

መደብ ምውጻእ

  • ኣብ መጀመርታ 2022 ንድፊ ብምዉዳእ ፕሮጀክት ደረጃ 1 ንምጅማር ሓበሬታ ምእካብ
  • ሓምለ 2022፦ ህንጸት ፕሮጀክት ደረጃ 1
  • ክረምቲ (ሳመር) 2022፦ ደረጃ 2 ንምጅማር ሓበሬታ ምእካብ
  • 2023-2024፦ ናይ መወዳእታ ንድፍን ምትግባርን ፕሮጀክት ደረጃ 2

ደረጃ 1፦

ኣብ'ዚ እዋን እዚ ኣብ ደረጃ ንድፊ ናይ'ዚ ፕሮጀክት እዚ ብፍላይ ከኣ ናይ መጀመርታ ንድፊ ከም ዘሎና ዝሕብር ሰሌዳ።

ደረጃ 2፦

ኣብ'ዚ እዋን እዚ ኣብ ደረጃ ንድፊ ናይ'ዚ ፕሮጀክት እዚ ብፍላይ ከኣ ናይ መጀመርታ ንድፊ ከም ዘሎና ዝሕብር ሰሌዳ።

እተተሓሓዙ ፕሮጀክትታት

መስመር መጉዓዝያ ቁጽሪ 7 - ብተወሳኺ ድማ ዝተፋላለየ ዓይነት ጉዕዞ መልቲሞዳል ኮሪደር

ራፒድ ራይድ R

ኣብ ረይነር ኣቨኑ መራኸቢ መስመር (Corridor) እተገብረ ምምሕያሻት

ምወላ

ሳላ እቶም ኣብ ሕዳር 2020 ነቲ ሲያትል ትራንስቲት መዠር (እማመ 1) ንክሓልፍ 80 ሚእታዊት ዝዀኑ ኣብ ሲያትል ዘድመጹ፡ እዚ ፕሮጀክት እዚ ኣብ ከተማና ብተደጋጋምን፡ ዜተኣማምንን፡ ብቐሊሉ ዚርከብን፡ ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ምንጪ ኣታዊ ኸም ዚህሉ ገበረ። በቲ 0.15% ናይ መሸጣ ግብሪ (እዚ ማለት 15 ሳንቲም ካብ ናይ 100 ዶላር ኣመሪካ ዕድጊት) ኣቢልካ ኣብ ማሕበረሰብካ ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ተበጻሓይ ንክኸውን ብቐጥታ ትድግፍ ኣለኻ።

ናውቲ

ናውቲ ፕሮጀክት ምስ ማዕበለ ኣብዚ ኺካፈል እዩ።

Transportation

Greg Spotts, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.