ብሽክለታ ናብ መጻሕፍቲ (Bike to Books)

af-Soomaali • አማርኛ • اَلْعَرَبِيَّةُ • 繁体字 • Español • فارسی دری • Tiếng việt • افغانی • English

መጋቢት 31, 2023 ዝተሓደሰ

ሐዚ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

ሰላም ንኩልኻትኩም ይኹን! መሃዚ እትዀነሉን ናይ ስነ-ጥበብ ክእለትካ እተርእየሉን እዋን ኢዩ! ምጅማር ዓመታዊ ውድድር ካብ ብሽክለታ ናብ መጽሓፍ (Bike to Books) ንድፊ ክንእውጅ እንከለና፣ ልዑል ሓበን ይስመዓና፡ ኣብ'ዛ ዓመት እዚኣ ድማ ምስቶም ኣብ Dunlap Elementary (ዳንላፕ ቀዳማይ ብርኪ)ን South Shore K-8 (ሳውዝ ሾር) ዘለዉ ዘደንቑ መምህራን ናይ ስነ-ጥበብ ንተሓባበር ኣሎና። ልክዕ እዩ፣ ተመሃሮ ብዙሓት ሰባት ዝርእዩዎ፣ ዘደንቕ ነገር ንኸዳልዉ ዕድል ንህቦም ኣለና!

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣድርያን ዋትስ-ድሪስኮልን (Adrian Watts-Driscoll) ዌስተን ሆርነርን (Weston Horner) ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዘደንቕ ንድፊ ንምድላው ምስ ናይ ስነ-ጥበብ ተማሃሮኦም ክሰርሑ ኢዮም። ኣብ ቅብኣ፣ ስእሊ፣ ወይ ኤለክትሮኒካዊ ንድፊ፣ ድልየት ይሃልኻ ብዘየገድስ ነቲ ብሽክለታ ምዝዋርን ምንባብን ዘለዎ ዘደንቕ ሓይሊ ዘመልክት ነገር ክትፈጥር ንደሊ ኢና።

እሞ እንታይ ድኣ ትጽበ ኣለኻ? ፒሮኻ፣ ርሳሳትካ፣ ወይ ናይ ቅባእ ብሩሽካ፣ ሒዝካ ኽትፈጥር ጀምር! ኩሎም እቶም ኣታዊ ዝግበሩ ስራሕቲ ክሳብ ዓርቢ፣ ሚያዝያ 28, 2023፣ ኣታዊ ክኾኑ ኣለዎም፣ ስለዚ ሓደ ዘደንቕ ነገር ንምፍጣር ንገዛእ ርእስኻ እኹል ግዜ ሃብ። እንታይ ሒዝካ ከም እትመጽእ ክንርኢ ተሃንጢና ኣለና!

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ፕሮጀክት

ናይ ሲያትል ክፍሊ መጓዓዝያ (SDOT) ብመደብ Safe Routes to School (ውሑስ ጎደና ናብ ቤት ትምህርቲ) ኣቢሉ ዓመታዊ ናይ ተምሃሮ ውድድር ዲዛይን ኣብ ምብጋስ ይርከብ። ነዚ ኣብ ራይነር ቢች ክነበግሶ ድማ ኣዚና ተሃንጢና ንርከብ። ምስ Dunlap Elementary School፣ South Shore K-8፣ ከምኡ'ውን ምስ ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሲያትል ጨንፈር ራይነር ቢች ሓቢርና ንተመሃሮ ብሉጽ ናይ ዲዛይን ውድድር ነዳሉ ኣሎና!

እዚ ውድድር እዚ ታሕጓስ ዝፈጥሩን ምህዞኣዊ ዝኾኑ ዲዛይናት ምልክታት ብሽኽለታን ምፍጣር እዩ (ምናልባት እውን ናይ ኣጋር ምልክታት ክኸውን ይኽእል እዩ!)፣ ናይ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ጉጅለታት ኣብ'ቲ ናብ ክልቲአን ቤት ትምህርቲታት ዝወስድ ጎደና ጥዕናኹም ሓልዉ (Healthy Street) ዘቐምጥዎም እዩ። እቲ መንገዲ ካብ ኦቴሎ ፓርክ ኣትሒዙ ክሳብ እቲ ቤተ መጻሕፍቲ ዝዝርጋሕ ንውሓቱ 1.2 ማይልስ ኮይኑ፣ ን 15 ዝተፈላለዩ ዲዛይናት ዝኸውን ቦታ ክህልዎ እዩ። 

ናይ'ዞም ምልክታት ብሽኽለታ ዓላማ እንታይ እዩ?

ነቶም ከምኦም ዝበሉ ምልክታት ኣብ ጎደናታት ዝተስኣሉ ብሽክለታ ኣብ ዙርያኣ ጨረር ዘለዋ ዝመስሉ ርኢኻ ዶ ትፈልጥ? እምበኣር እዚኣቶም ሻሮውስ (sharrows) ይበሃሉ! መካይንን ብሽክለታታትን ነቲ ጎደና ብሓባር ከምዝጥቀማሉ ንምምልካት እዮም ኣብ'ኡ ዘለዉ። ኣብ ጎደና ስእሊ ብሽግለታ ኣብ ዙርያኣ ጨረር ዘለዋ (ሻሮውስ) ብሽክለታታትን መካይንን ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ነቲ ጎደና ብሓባር ከምዝጥቀማሉ ንምግባር ዝሕግዙ እዮም። ካብ'ዚ ብተወሳኺ ነቶም ናይ መካይን ገናሕቲ፡ ብሽክለታታት እውን ነቲ ጎደና ናይ ምጥቃም መሰል ከምዘለወን የዘኻኽሩዎም። ሻሮውስ ንብሽክለታታት ጥራሕ ኣይኮኑን ጥቕሚ ዝህቡ፣ ነቶም ብእግሮም ዝጎዓዙ ወይ ብብሽክለታ ዝንቀሳቐሱ ሰባት መርበብ ውሑሳት ቦታታት ንምፍጣር እውን ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይኽእሉ እዮም። ስለ'ዚ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ጎደና ሻሮውስ (ስእሊ ብሽግለታ ምልክት ጦር ዘለዎ) ክትርኢ እንከለኻ፣ ንኹሉ ሰብ ውሑስ ንምግባር ኣብኡ ክኾኑ ከምዝተገበረ ዘክር!

ኣብ ጎደና ኬይኖን ግሪንወይ (Keynon Greenway) ዝንቀሳቐስ ገናሒ ብሽክለታ

ኣብ ጎደና ኬንዮን ግሪንወይ ብሽክለታ ዝገንሕ ዘሎ ሰብ። ፎቶ ክሬዲት፦ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል 

መስመር ስነ-ጥበብ

ካርታ መስመር ስነ-ጥበብ

ተምሃሮ ስነ-ጥበብ ዳንላፕን ሳውዝ ሾርን ኣቓልቦ ግበሩ

ኣብ ጥሪ 2023፣ ከንቲባ ብሩስ ሃሬል ምስ ተምሃሮ Dunlap Elementary ብሓባር መዓልቲ በዓል Walk & Roll to School (ናብ ቤት ትምህርቲ ብእግሪን ሮል ብምግባርን ምጉዓዝ) ንምኽባር መጺኦም ነይሮም

ኣብ ጥሪ 2023፣ ከንቲባ ብሩስ ሃሬል ምስ ተምሃሮ Dunlap Elementary ብሓባር መዓልቲ በዓል Walk & Roll to School (ናብ ቤት ትምህርቲ ብእግሪን ሮል ብምግባርን ምጉዓዝ) ኣብ'ቲ ናይ'ቶም ነቲ ውድድር ዘሸነፉ ተምሃሮ ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ዝሰኣሉሉ ጎደና ጥዕናኹም ሓልዉ (Healthy Street) ንምኽባር መጺኦም ነይሮም። ፎቶ ክሬዲት፡ ህዝባዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ሲያትል

ነዞም ደስ ዝብሉ ናይ ብሽክለታ ምልክታት ዲዛይን ብምግባር፣ ነቲ ጎደና ነቶም ብብሽክለታ ዝጎዓዙን ብእግሮም ዝስጉሙን ሰባት ውሑስ ክኸውን ጥራሕ ኣይኮንካን ትገብሮ፣ እንታይ ደኣ ተሓጓስ ዝፈጥር ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ኣብ'ቲ ከባቢ መንበሪ ክህሉ ትገብር ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ መርኣያ ነቲ ዘለካ ክእለት ምህዞ ንምግላጽን ነቶም ዝመጹ ዓመታት ዝጽንሕ ስራሕ ኣበርክቶ ንምግባርን ዘኽእል ዓብዪ ዕድል እዩ።

እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ነገር? 15 ዝኾኑ ነቲ ውድድር ዘሸነፉ ዲዛይናት ተመሪጾም ቴርሞፕላስቲክ ብምጥቃም ብጉጅለታት ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ኣብ'ቲ ጽርግያ ክሰኣሉ ክግበር እዩ። ሸሞንተ ዲዛይናት ካብ ዳንላፕ እቶም ሸውዓተ ድማ ካብ ሳውዝ ሾር ክመጹ እዮም-በዚ ድማ ሕድሕድ ቤት ትምህርቲ ኣሸናፊ ክህልዎ እዩ ማለት እዩ!

እቲ ኣብ ሳውዝ ሾር መምህር ስነ-ጥበብ ዝኾነ ዌስቶን ሆርነር (Weston Horner)፣ ምስ'ቶም ካብ 4ይ- 8ይ ክፍሊ ዝርከቡ ተምሃሮኡን ምስ ናይ ስነ-ጥበብ ክለቡን ብሓባር ክሰርሕ እዩ። ኣብ ዳንላፕ መምህር ስነ-ጥበብ ዝኾነት፣ ኣድሪያን ዋትስ-ድሪስኮል (Adrian Watts-Driscoll)፣ ምስ'ቶም ካብ 4ይ-5ይ ክፍሊታት ዝኾኑ ተምሃሮኣ ብሓባር ክትሰርሕ እያ።

እዚ ኣደናቒ ዝኾነ ሓድሽ ፕሮጀክት በቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ ብ Portland Bureau of Transportation (ቢሮ መጓዓዚያ ፖርትላንድ) ን ብ Multnomah County Library (መልትኖማህ ካውንቲ ቤት መጻሕፍቲ) ዝዳሎ ብሽግለታ ናብ መጻሕፍቲ ዲዛይን ዝተሰመየ ተመሳሳሊ ውድድር ዝተለዓዓለ እዩ።

ስለዚ እርሳሳትና፣ ፒሮታትናን፣ ቀለምን፣ ሒዝና ስእሊ ንምስኣል ንዳሎ፣ ነቶም ናይ ራይነር ቢች ጎደናታት ብርሃን ዝህቡ ገለ ኣደነቕቲ ዲዛይናት ንፍጠር!

ተዓወትቲ ውድድር ፖርትላንድ ዲዛይንን ምስኣል ስነ-ጥበባዊ ስራሕን

ሓደ ኣብነት ካብቶም ዲዛይናት ዝተዓወተ ተማሃራይ ከምኡድማ ሰራሕተኛታትን ነቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ኣብ ጎደና ኣብ ፖርትላንድ ኦሪገን ክስእሉ እንከለዉ ዘርኢ ኣብነት እንሆ።

ኣብነት ናይ ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውድድር ዲዛይን ካብ ብሽክለታ ናብ መጽሓፍ ፖርትላንድ ዝተዓወተ ውድድር ዲዛይንን ስራሕቲ ምትካልን/ምስኣልን

ኣብነት ናይ ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውድድር ዲዛይን ካብ ብሽክለታ ናብ መጽሓፍ ፖርትላንድ ዝተዓወተ ውድድር ዲዛይንን ስራሕቲ ምትካልን/ምስኣልን። ፎቶ ክሬዲት፡ ቢሮ መጉዓዝያ ፖርትላንድ

ሽልማታት

ዓበይቲ ሽልማታት፡ ዲዛይናት ስነ-ጥበብ ጎደና ግሪንዌይ ኣብ ጎደናታት ሲያትል ብናይ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ጉጅለ ክኢላታት መስመር ጽርግያታት ክሰኣሉ እዮም።* ናይ'ዚ ዓመት እዚ ተዓወትቲ ዲዛይናት ኣብ ጎደና ጥዕናኹም ሓልዉ ራይነር ቢች ኣብ መንጎ ኦቴሎ ፓርክን ኣብ'ቲ ህዝባዊ ቤተ መጻሕፍቲ ሲያትል ጨንፈር ራይነር ቢችን ክሰኣሉ እዮም።

*እቲ ናይ ዲዛይን ስራሕ ምስ እቲ እንጥቀመሉ ናውቲ ከም ዝሰማማዕን ብኸመይ ከም ዝሰኣልን ንምርግጋጽ ገለ ስነ-ጥበባዊ ፍቓድ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ምእታው ከምዝከኣል

ሕድሕድ ዓመት ነቲ ናይ ዲዛይን ውድድር ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ከነአንግዶን ምስ ኣብያተ ትምህርትን ናይቲ ከባቢ ጨንፈር ቤተ መጻሕፍትን ክንሻረኽን ኢና። ሎሚ ዓመት ውድድር ዲዛይን ነዞም ዝስዕቡ ኣብያተ ትምህርትን ተምሃሮን ክፉት እዩ፡

  • መምህር ስነ-ጥበብ ቤት-ትምህርቲ Dunlap Elementary ዝኾነት ኣድሪያን ዋትስ-ድሪስኮል ምስ 4ይ-5ይ ክፍሊ ተማሃሮኣ ክትሰርሕ እያ
  • መምህር ስነ-ጥበብ ቤት-ትምህርቲ ሳውዝ ሾር ዝኾነ ዌስተን ሆርነር ምስ 4ይ-8ይ ክፍሊ ተማሃሮኡን ምስ ናይ ስነ-ጥበብ ክለቡን ብሓባር ክሰርሕ እዩ።

ዕለተ ውድድራት

  • ውድድር ካብ ሚያዝያ 1 ክሳብ ሚያዝያ 28፣ 2023 ይካየድ
  • ዝሳተፉ ስራሕቲ ክሳብ ሚያዝያ 28፣ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣታዊ ክኾኑ ኣለዎም
    • ዲዛይን ኣታዊ ብምግባር፡ እቲ ዘቕረብካዮ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ናትካ መበቆላዊ ምህዞ፤ ምሉእ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ካብ ዝኾነ ካልእ ስራሕ ዘይተቐድሐ፤ ብዛዕባ ሰባት ሕማቕ ወይ ሓሶት ዘይዛረብን ቅድሚ ሕጂ ተሓቲሙ ወይ ናብ ካልእ ውድድር ቀሪቡ ዘይፈልጥ ምዃኑን ቃል ትኣቱ ኣለኻ።
  • ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትልን ህዝባዊ ኣብያተ- ትምህርቲ ሲያትልን ክሳብ ግንቦት 31, 2023 ኣብ'ቲ መእተዊ ቅጥዒ ዝተዋህበ ሓበሬታ ተጠቒሞም ንወለዲ/ኣለይቲ ተዓወትቲ ከፍልጡ ክፍትኑ እዮም።

ቅጥዒ መእተዊ ውድድር

መእተዊ ቅጥዒታት ኣብ ገዛ ክሕተሙ ይኽእሉ እዮም።

ሕጊታት ውድድር

  • ናይ 2023 ጽሑፋት ናይ ዳንላፕንን ሳውዝ ሾርን ተማሃሮ ኦሪጅናል ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ክኸውን ኣለዎ። ብዙሓት ስራሕቲ ኣታዊ ክግበር ይከኣል እዩ።
  • ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ንተዓወትቲ ብተሌፎን ወይ ብኢመይል ኣብ 31 ግንቦት 2023 ወይ ከባቢኡ ክራኸብን ነቶም ዝተዓወቱ ስራሕቲ ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ'ቲ ፕሮጀክትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ክዝርግሕ እዩ።
  • ኣታዊ ዝግበሩ ስራሕቲ ነቲ ናይ ቅጥዒ ውድድር ዲዛይን ብቐጥታ ናብ መምህር ስነ-ጥበብ ናይቲ ተማሃራይ ብምምላስ ኣታዊ ክግበሩ ይኽእሉ እዮም።
  • ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ኣታዊ ብምግባር፡ ወላዲ/ኣላዪ፡ ስም ናይቲ ቆልዓ፡ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ኣብ ጥቕሚ ክውዕልን፡ ከምኡ’ውን/ወይ ድማ ኣብ'ቶም ንክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ዘተባብዑ መደባትን ንጥፈታትን ከም ዝጥቀስ ይሰማማዕ ኣሎ ማለት እዩ። እንተደኣ ስም ውላድካ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዘይትደሊ ኮይንካ፣ ብኽብረትካ ኣብቲ ቅጥዒ ጽሓፉ።
  • ምስ ኣብ'ዚ ውድድር እዚ ምዕዋት፣ ወይ ምስ ምጥቃም ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ወይ ኣብ ናይ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ናውቲታት ምጥቃስ ዝተሓሓዝ ገንዘባዊ ሽልማት የለን።
  • እቶም ኣታዊ ዝግበሩ ስራሕቲ ክሳብ ዓርቢ፣ ሚያዝያ 28, 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣታዊ ክኾኑ ኣለዎም።
  • ዲዛይን ኣታዊ ብምግባር፡ እቲ ዘቕረብካዮ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ናትካ መበቆላዊ ምህዞ፤ ምሉእ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ካብ ዝኾነ ካልእ ስራሕ ዘይተቐድሐ፤ ብዛዕባ ሰባት ሕማቕ ወይ ሓሶት ዘይዛረብን፣ ቅድሚ ሕጂ ተሓቲሙ ወይ ናብ ካልእ ውድድር ቀሪቡ ዘይፈልጥ ምዃኑን ቃል ትኣቱ ኣለኻ።
  • ውሳነታት ደያኑ ናይ መወዳእታን ቀያድን እዩ። ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ነቲ ኣብ'ቲ መእተዊ ቅጥዒ ዝተውሃበ ሓበሬታ ተጠቒሙ ንወለዲ/ኣለይቲ ተዓወትቲ ክሳብ መወዳእታ ናይ ስራሕ ዕለት 31፣ ግንቦት 2023 ከፍልጥ ክፍትን እዩ። እንተደኣ ሓደ ወላዲ ወይ ኣላዪ ናይ ሓደ ተዓዋቲ ተምሃራይ ርክብ ክግበረሉ ዘይክኢሉ ወይ ካብ'ቲ ናይ መጀመርታ ናይ ርክብ ፈተነ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት መልሲ እንተዘይሂቡ፡ ሓደ ተዓዋቲ ነቲ ናይ ብቕዓት ረቛሒታት እንተዘይኣማሊኡ፡ ሓደ ተዓዋቲ ነቲ ወግዓዊ ሕግታት እንተዘይተኸቲሉ፡ ወይ ድማ እቲ ናይ ሽልማት ምልክታ ክስደድ ኣይከኣለን ተባሂሉ እንተተመሊሱ፡ እቲ ተዓዋቲ ካብ ውድድር ክእለ እዩ፡ ኣዳለውቲ ውድድር ድማ በቲ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጠ መዐቀኒታት ሓድሽ ተዓዋቲ ክኸውን ዝኽእል ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።
  • ከተማ ሲያትል ትርጉም ዘለዎ ተበጻሕነት ናይታ ከተማ መደባት፡ ኣገልግሎታትን፣ ከምኡድማ ንጥፈታትን ከምዝህሉ ንምርግጋጽጽ ምስ ሕግታት ሲቪላዊ መሰላት ዓንቀጽ VIን ከምኡድማ ሕጊ ስንክልና ዘለዎም ኣመሪካዉያን (ADA) ዓንቀጽ IIን ብዝግባእ ከምዝኽበርን: ትርጉም፣ ኣገልግሎት ቱርጁማን፣ ምምሕያሻት፣ ምትዕርራያት፣ ኣማራጺ ቅጥዒታት፣ ደገፍቲ ሓገዛትን ኣገልግሎታትን ብዝግባእ ይህብ። ነዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ንምሕታት፣ ናብ (206) 684-7577 ደዊልካ ተራኸብ።

መደብ 2023

  • ሚያዝያ 1-28, 2023: ውድድር ዲዛይን ንተማሃሮ ዳንላፕን ሳውዝ ሾርን ክፉት እዩ
  • ግንቦት 2023: ስራሕቲ ተገምጊሞም ተዓወትቲ ድማ ይምረጹ
  • ክሳብ ግንቦት 31, 2023: ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ንወለዲ/ኣለይቲ ተዓወትቲ ከፍልጥ እዩ
  • መወዳእታ ናይ ትምህርቲ ዓመት 2023: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ተዓወትቲ ይግለጹ
  • ገና ዝውሰን (TBD): ሰራሕተኛታት ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል ነቶም ዝሰዓሩ ዲዛይናት ኣብ መስመር ስነ-ጥበብ ይስእሉ።
  • ድሕሪ ምስኣል ዲዛይናት (ገና ዝውሰን): ምስ Dunlap Elementary፣ South Shore K-8፣ ከምኡ’ውን ምስ ጨንፈር ረይነር ቢች ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ ሲያትል ብምትሕብባር ጽምብል መስመር/ጎደና ስነ-ጥበብ ይካየድ።

ምወላ

እዚ ፕሮጀክት እዚ ብናይ ከባቢና መደብ ውሑሳት መንገድታት ናብ ቤት ትምህርቲ (Safe Routes to School) ዝምወል እዩ።

ናውቲታት

  • 2023 ቅጥዒ መእተዊ

Transportation

Greg Spotts, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.