መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (The Seattle Transportation Plan)

አማርኛاَلْعَرَبِيَّةُ • 繁体字 • 简化字 • 日本語 • ភាសាខ្មែរ • 한국어 • ລາວ • Oromiffa • русский язык • af-Soomaali • Español • Tagalog • ภาษาไทย • ትግርኛ • Tiếng việt •  украї́нська мо́ва •  English

ራእይ ብዛዕባ መጻኢ መጎዓዚያ ኣብ ሲያትል

ብዛዕባ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ሓበሬታ ርኸብ

ነቲ ካባኻን ካብ ጎረባብትኻን ዝሰማዕናዮ ሓሳባት ብምውሳድ ንንድፊ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ኣብ ምምዕባል ኣብ ጥቕሚ ኣውዒላናዮ ኢና።

እዚ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ንድፊ ኣብ መጻኢ እተን ናይ ሲያትል ጎደናታት፣ ናይ ኣጋር መንገዲታትን፣ ህዝባዊ ቦታታትን ብዝምልከት ዝሓዝናዮ ናይ 20 ዓመት ራእይ እንትኾን እዚ ድማ ካብ'ቶም ብኣሽሓት ዝቖጸሩ ኣብ ሲያትል ዝነብሩ፣ ዝሰርሑን፣ ዝጻወቱን ሰባት ብዝተኣከበ ሓሳብ ዝተዳለወ እዩ።

ነዚ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ንድፊ ኣብ መፋርቕ-2023 ኢና ንርኢቶ ህዝቢ ዕላው ጌርናዮ።

ሐዚ ድማ ነቶም ካብ`ቲ ማሕበረሰብ ዝረኸብናዮም ርእይቶታት ምስ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ንድፊ፣ ፕሮጀክትን ናይ መደብ ዝርዝርን ኣብ ምውህሃድ ንርከብ።

መደብ መጎዓዚያ ሲያትል ብሓጺሩ | ነሓሰ 2023

መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) (STP) እንታይ እዩ?

መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ኩሉ ሰብ ናብ ዝድልዮም ቦታታን ዘጋጥሙዎ ዕድላትን ንምብጻሕ ውሑስነቱ ዝተሓለወ፣ ስሉጥን፣ ብርትዓዊ ዋጋ ዝቐርብን ኣማራጺታት ግልጋሎት መጎዓዚያ ንኽረክብ ንምግባር ዘለና ዕላማ እዩ።

እዚ ናይ መጎዓዚያ ስርዓትና ልዕሊ ጎዳናታትን ናይ ኣጋር መገዲታትን እዩ። ኣውቶቡሳት፣ ቀሊል ባቡር፣ ናይ ኣጋር መገዲታት፣ ህዝባዊ ቦታታት፣ ከምኡድማ ካልኦት ብዙሓትን ዝሓቁፍ እዩ። ይኹን እምበር ኮቪድ-19፣ ናይ ኣየር ንብረት ለውጢን፣ ልዑል ናህሪ ውሳኸ ቁጽሪ ህዝቢን እዚ ስርዓት እዚ ብዘይ ጸገም ንኽካየድ ንምግባር ኣጸጋሚ ጌሮሞ ይርከቡ። በዚ ድማ እዩ ሐዚን ኣብ ቀጻሊን ክሰርሕ ዝኽእል ቀጻልነት ዘለዎ ስርዓት ክንፈጥር እንደሊ።

ንምንታይ እዩ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ንዓይን ነዚ ዝነብረሉ ማሕበረሰብን ዘገድሰና?

ናብ እትኸዶ ቦታ ብዘየገድስ - ናብ ስራሕ ይኹን ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ፣ የዕሩኽቲ ንምብጻሕ፣ ስራሕቲ ንምክያድ፣ ናብ ናይ ኣምልኾ ቦታ ንምኻድ፣ ወይ ናብ ናይ ድራር ግብጃ ክትከይድ እንከለኻ- ውሑስ፣ ስሉጥን፣ ብርትዓዊ ዋጋን ክትገብሮ ክትክእል ኣለካ። ብቐሊሉ ንምቕማጥ፣ ናይ መጎዓዚያ ጠለባትና ብብዙሕ መገዲ ነቲ መዓልታዊ እነካይዶ ሂወትና ይጸልዉ እዮም። ኣብ ከይዲ ምፍጣር እዚ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ተሳትፎ ብምግባር፣ ንኹሉ ሰብ ብዝሓሸ መልክዑ ዝሰርሕ ስርዓት ኣብ ምፍጣር ትሕግዘና ኣለኻ ማለት እዩ።

እዚ ናይ ሲያትል ስርዓት መጎዓዚያ ንኹሉ ዘርብሕ ክኸውን ኣለዎ። መብዛሕቲኡ ግዜ፣ መንግስታዊ ዝኾኑ መደባት ክምዕብሉ እንከለዉ፣ ንብዙሓት ሰባት የግልሉ ኢዮም - ብፍላይ ነቶም ጸለምቲ፣ ተወለድቲ፣ ወይ ክፋል ኣባላት ሕብሪ ዘለዎም ማሕበረሰባት፣ ነቶም LGBTQIA+ ዝኾኑ ሰባት፣ ነቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት፣ ስደተኛ ማሕበረሰባትን እቶም ኣብ ገዛ ቋንቋ እንግሊዘኛ ዘይዛረቡን ሰባት፣ መንእሰያት፣ ዓበይቲ ሰባት፣ ከምኡድማ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባትን። ናይ ኩሉ ሰብ ድልየታቱ ክማላእ ምእንታን ድምጹ ክስማዕ ኣለዎ ኢልና ንኣምን።

ብሓባር፣ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንመልሳ፡ እቲ ናይ መጎዓዚያ ስርዓትና እንታይ ክመስልን እንታይ ዓይነት ስምዒት ዝፈጥርን ክኸውን ትደሊ?

ራእይ ብዛዕባ መጻኢ መጎዓዚያ ኣብ ሲያትል

ብዛዕባ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ፍለጥ ኣብ ከይዲ ምፍጣሩ ድማ ተሳተፍ! ምስ ናይ ተሳትፎ ዕድላት ንምርኻብ፣ ናይ ፕሮጀክት ምንጪታት ንምርካብን፣ ብዛዕባ ከይዲ ምውጻእ መደባት እዋናዊ ዜና ንምርካብ ነዚ ወብ ሳይት ተጠቐም።

ሐዚ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

እቲ ከይዲ ምውጻእ መደብና ገና ኣብ ምጅማሩ እዩ ዘሎ፣ ኣብ'ዚ ድማ ሐገዝካ ንደሊ!

ኣብ ምጅማርና ክሕግዘና ምእንታን፣ ኣብ ዙርያ ሲያትል ብኸመይ ዝበለ መገዲ ከም እትጎዓዝን ነዚ መደብ ብሓባር ኣብ እናማዕብለሉ ግዜ ድማ ምሳኻ ክንራኸበሉ ብዛዕባ ንኽእለሉ መገዲን ንገረና።

ብዛዕባ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ዝያዳ ፍለጥ

ተደጋጊሞም ዝሕተቱ ሕቶታት

ብዛዕባ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) (STP)ዝያዳ ክትነግረኒ ዶ ትኽእል?

መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ራእይ መጻኢ መጎዓዚያ ኣብ ሲያትል እዩ። ናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ ወሳኒ ክፋል ምምዕባል እዚ መደብ እዩ። መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ንኸተማና ንሐዚን ቀጻሊን ከገልግል ዝኽእል ናይ መጎዓዚያ ስርዓት ዝኾኑ ሽቶታት፣ ስትራቴጂታትን ምኽሪታትን ከዳልው እዩ። እቲ መደብ ኩሉ ካብ ናይ መጻኢ መጎዓዚያ ናይ ገንዘብ ምወላ ኣትሒዙ ክሳብ ናይ ህዝባዊ ቦታታት እንዘናገዐሎም መገዲን ኣብ ውሽጢ እዛ ኸተማ እንንቀሳቐሰሉ መገዲን ከዕብዩ ዝኽእሉ ፕሮጀክትታትን መደባት ቅርጺ ክሕዙ ዝገብር እዩ።

ድልየታትኩም ዘማልእ ናይ መጎዓዚያ ስርዓት ንምፍጣር ምሳኻን ምስ ጎረባብትኻን ብሓባር ክንሰርሕ ትጽቢት ኣለና።

መብዛሕቲኡ ግዜ፣ ናይ መንግስቲ መደባት ክምዕብሉ እንከለዉ፣ ንሰባት የግልሉ ኢዮም - ብፍላይ ድማ ነቶም ጸለመቲ፣ ደቀባት፣ ወይ ኣባላት ናይ ሕብሪ ማሕበረሰብ፣ ወይ LGBTQ ዝኾኑ ሰባት፣ ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት፣ ናይ ስደተኛታት ማሕበረሰባትን ነቶም ኣብ ገዛኦም ቋንቋ እንግሊዘኛ ዘይዛረቡ ሰባት፣ መናእሰይ፣ ዓበይቲ ሰባትን ነቶም ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባትን። ናይ ኩሉ ሰብ ድልየታት ክማላእ እንተኾይኑ ናይ ኩሉ ድምጺ ክስማዕ ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ምስ እቶም ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዘለዎም ትካላት፣ ምስ እቲ ግልጋሎት ዘቕርቡሉ ማሕበረሰብ ኣብ ባይታ ዘሎ ርክብ ዘለዎም፣ ብሓባር ኮይንና እቲ መደብ ናይ ኩሉ ሰብ ክብሪታትን ድልየታትን ዘማልእ ምዃኑ ንክንሰምዕን ከነረጋግጽን ንሰርሕ ኣለና።

እቲ ቐንዲ ነጥቢ እንታይ እዩ ? መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) ነዞም ዝስዕቡ ነጥቢታት ዘማልእ ናይ መጎዓዚያ ስርዓት ናይ ምጥያሽ ዕቱብ ድልየትና እዩ።

  • ናይ ኩሉ ሰብ ድልየታት ዘማልእ፣
  • ንኩላትና ብውሑስ፣ ስሉጥን፣ ብርትዓዊ ዝኾነ ዋጋን ናብ ቦታታትን ዕድላትን ዘራኽበናን፣ ከምኡድማ
  • ንኩሉ ሰብ- ዓሌቱ፣ ደረጃ መነባብሮኡ፣ ጾታኡ፣ ዘለዎ ጾታዊ ዝንባለ፣ ዜግነት፣ ዕድመ፣ ወይ ዘለዎ ክእለት ብዘየገድስ - ብክብርን ማዕርነትን ዝረኣየሉ።

መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) መዓስ እዩ ድልዊ ክኸውን?

ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ንድፊ ህዝባዊ ገምጋም ክግበሮ ኣብ መፋርቕ-2023 ዕላው ክግበር እዩ።

ሐዚ ተሳታፊ ክኸውን ይኽእል ድዬ?

እወ! ነቶም ዘለዉኻ ክብሪታት፣ ድልየታትን፣ ተሞክሮታትን ዘንጸባርቕ መደብ ክነማዕብል ኢና ንደሊ። ተሳትፎ ክትገብረሎም እትኽእለሎም ዕድላት ንምርካብ ናብ ናይ ኦንላይን ተሳትፎ ማእከል ብጻሕ።

ናይ ግዜ ሰሌዳ

መጋቢት 2022፡ ፕሮጀክት ምጅማር!

      • ኣብ'ዚ ወርሒ እዚ ምስ እቶም ሓቢሮምና ዝስርሑ ኣካላትን እቲ ማሕብረሰብን ነቶም ዘለዉና ሽቶታት፣ ዕላማታት፣ ናይ ግዜ ሰሌዳ፣ ናይ ተሳትፎ ዕድላትን እነካፍለሉ እዩ ክኸውን።

ግንቦት-ነሓሰ 2022

      • ምዕራፍ 1 ናይ ህዝባዊ ተሳትፎ። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ፡ ኣብ ሲያትል ኣብ እትጓዓዙሉ እዋን፡ ቀዳምነት እትሆቦም ጉዳያት፡ ብድሆታትካን፣ ድሌታትካን ንምርዳእ ምስ'ቲ ማሕብረሰብ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና።

        ኣብ እዋን ቀዳማይ ምዕራፍ ተሳትፎ ርእይቶኹምን ሓሳብኩምን ዘካፈለኩም ኩሉኹም ምስጋና ይብጻሕኩም! ኣብ ሲያትል ኣብ እትጓዓዘሉ እዋን ቀዳምነት እትህቦም ጉዳያት፣ ብድሆታትካን፣ ድሌታትካን ክተካፍለና ሓቲትናካ ኔርና።

        ክሳብ ሕጂ ዝረኸብናዮ ሓሳባትን ነቲ ትልሚ ብኸመይ ይቐርጾ ከምዘሎን ዝገልጽ ጽሟቕ ናይ ምዕራፍ 1 ጸኒሕና ኣብ'ዚ ናይ ጽድያ ወቕቲ ክነካፍለካ ኢና። ክሳብ ሽዑ ግን፡ ነቶም ኣብ ምዕራፍ 1 ተዋሳኢ ናይ ካርታ መሳርሒ ና ሰባት ዘቐመጡዎም ሓሳባት ክትግምግም ትኽእል ኢኻ።

መስከረም-ታሕሳስ 2022

      • ምዕራፍ 2 ናይ ህዝባዊ ተሳትፎ። ኣብ'ቲ ናይ ካልኣይ ምዕራፍ ተሳትፎ፡ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 1 ካባኻ ዝሰማዕናዮ ከነካፍልን እቲ ዝሃብካና ሓሳባት ነቲ ውጥን ንምምራሕ ብኸመይ ይሕግዝ ከምዘሎ ከነርኢ ኢና። ብተወሳኺ ኣብ መጻኢ ብኸመይ ክትዛወር ከም እትደሊ፡ እንታይ ዓይነት ስጉምትታት ክንወስድ ከም እትደልየና፡ ከምኡ’ውን እዞም ተግባራት እዚኣቶም ብኸመይ ኣካል ስርዓተ መጓዓዝያና ኮይኖም ክትርኢ ከም እትደሊን ንምርዳእ ክንሰርሕ ኢና።

ጥሪ-ሰነ 2023

      • ኣብ`ዚ ኣብ ምዕራፍ 3 ህዝባዊ ተሳትፎ፣ ግብረ መልስኻ ክንሰምዕ ነዚ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ንድፊ ነካፍለካ ኣለና።

ኣብ መጀመሪያታት 2024

      • መደብ መጉዓዝያ ሲያትል (STP) ተዛዚሙ ኣሎ!

ኣብ'ዚ ሐዚ ሰዓት ሲያትል እዚ መደብ ንምንታይ እዩ ዘድልያ?

ኣብ'ዚ ሐዚ ሰዓት ዘጋጥሙ ዘለዉ ህጹጻት ብድሆታት፡ ኩላትና፣ ኣብ መጎዓዝያ ስርዓትና ጽልዋ ዘሕድሩ ናይ መጎዓዝያ ብድሆታት ይገጥሙና ኣለዉ። ነዞም ዝስዕቡ ድማ የጠቓልል፡

      • ኣብ መነባብሮ ማሕበረሰብን ኣብ እንጎዓዘሉ መገዲን ብቀጻሊ ጽልዋ ዘሕድር ዘሎ ናይ ኮቪድ-19 ለበዳ፣
      • ኣብ ጎደናታትና ጽልዋታት ዘሕድሩ ከበድቲ ኩነታት ኣየር ዘስዕብ ዘሎ ህጹጽ ፍታሕ ዝደሊ ናይ ኣየር ለውጢ፣
      • ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ፣ መጠን ትራፊክ ክውስኽ ዝገብርን ኣብ ጥቓ ህዝባዊ መጎዓዚያታት ተወሰኽቲ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምስራሕ ኣድላይነት ዘዕቢን፣
      • ከምኡድማ ካልኦትን።

እዚኦም ህጹጽ ፍታሕ ዝጠልቡ እዮም። ነዞም ብድሆታት እዚኦም መፍትሒ ዝህብን ኩሉ ሰብ ኣብ ዙርያ ሲያትል ውሑስ፣ ስሉጥን ብርትዓዊ ዋጋ ዝቐርብን መጎዓዚያ ተጠቒሙ ክዘዋወር ዝሕግዝን ሓድሽ ናይ መጎዓዚያ ስርዓት ንምህናጽ ዓሊምና ክንፈጥር ኣለና።

ሓድሽ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ/ምወላ ፓኬጅ ምምዕባል መጉዓዝያ፡ እዚ ሐዚ እንጥቀመሉ ዘለና፣ ሌቪ ቱ ሙቭ ሲያትል (Levy to Move Seattle) ዝተብሃለ ናይ ገንዘባዊ ምወላ ፓኬጅ ኣብ 2024 ኣገልግሎቱ ከብቅዕ እዩ። ሌቪ ቱ ሙቭ ሲያትል (Levy to Move Seattle) ኣብ ውሽጢ ትሸዓት ዓመታት (2016-2024) ልዕሊ $930 ሚልዮን ዶላር ዘቕርብን ኣስታት 30% ናይ መጎዓዚያ በጀትና ዝሽፍነልናን እዩ። ኣብ ርኢቶታትኩም ዝተመርኮሰ ሓድሽ ናይ ገንዘባዊ ምወላ ፓኬጅ ክነማዕብል ኣለና። በቲ እትህቡና ሓገዝ ነቲ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ብምድላው፣ ነቲ ቀጻሊ ናይ ገንዘባዊ ምውላ ፓኬጅ ድልየታትኩም ብዘማልእ መልክዑ ክነማዕብሎ ንኽእል ኢና።

ምስ እዋናዊ ሓፈሻዊ መደብ ሲያትል (Seattle Comprehensive Plan) ምስራዕ፡ ናይ እዋናዊ ሓፈሻዊ መደብ ሲያትል (Seattle Comprehensive Plan Update) ሓፈሻዊ መደብ (Comprehensive Plan) ናይ ከተማ ክፍሊታት ስራሕቲ ሲያትል ኣብተን ዝቕጽላ ዒስራ ዓመታት ክንደየናይ ከም እትምዕብልን ትዓብን ዝምልከቱ ዓብዪ ስእሊ መጻኢ ዝጠልቡ ውሳነታት ክውስኑ እንከለዉ ዝጥቀሙሉ መሳርሒ እዩ። እዚ ሓፈሻዊ መደብ ሓደ ካብቶም ዝሓቑፎም ብዙሓት ነገራት ጉዳይ መጎዓዚያ እዩ። እዚ ሓፈሻዊ መደብ ኣብ ከይዲ ሕደሳ እዩ ዘሎ ምስ'ዚ ጎኒ ንጎኒ ድማ ናይ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) እውን ኣብ ምምዕባል ንርከብ። እዚ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ድማ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል እቶም ናይ'ቲ ሓፈሻዊ መደብ (Comprehensive Plan) ሽቶታትን ፖሊሲታትን ከመይ ብዝበለ መልክዑ ኣብ ናይ መጎዓዚያ ስርዓትና ዘሓጉሱ ከምዝኾኑ ዝገልጽ ንጹር ሓበሬታ ነቲ ማሕበረሰብ ክህብ እዩ።

ነዚ መደብ እዚ ዝመርሑዎ ክብሪታት እንታይ እዮም?

መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ክብሪታትና ዘንጸባርቕ እዩ ክኸውን። ካብ'ዚ ብተወሳኺ እቲ መደብ ኣብ'ቶም ዝገጥሙና ከም ናይ ኣየር ንብረት ለውጢ፣ ማዕርነት፣ ምሕደራን ናይ ውሕስነት ድልየታትን ዝበሉ ኣዝዮም ከበድቲ ዝኾኑ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ዝጥምት እዩ ክኸውን።

ናይ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT) ክብሪታትን ሽቶታትን፡

ማዕርነት፡ መጎዓዚያ ናይ እቶም ናይ ሕብሪ ማሕበረሰባት ዝበሃሉን ነቶም ኣብ ኩሉ ደረጃ እቶት፣ ክእለትን ዕድመን ዘለዎ ሰባትን ድልየታት ዘማልእ ክኸውን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ዓሌታዊ ማዕረነትን ማሕበራዊ ፍትሒን ዘረጋግጽ ናይ መጎዓዚያ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ምስ ማሕበረሰባት ብሓብር ምስራሕ እዩ ሽቶና።

ውሕስነት፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ዙርያ እዛ ኸተማ ውሕስናኡ ተሓልዩ ክንቀሳቐስ ክኽእል ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ዕላማና ኣብ ሲያትል ውሑስ ዝኾነ ናይ መጎዓዚያ ከባቢ ምፍጣርን ከበድትን ቀተልትን ዝኾኑ ሓደጋታት ድማ ምዉጋድን እዩ።

ምንቅስቓስ፡ ምርጫታት መጎዓዚያ ዕድላት ኣብ ምርካብ ወሳኒ ተራ ከምዝጻወቱ ንኣምን። ሽቶና ንሰባት፣ ቦታታትን፣ ሸቐጣትን ብዘተኣማምን መልክዑ ዘራኽብ ንኹሉ ተበጻሓይ ዝኾነ ናይ መጎዓዚያ ስርዓት ምህናጽ፣ ምምሕዳርን ዓቂብካ ምጽናሕን እዩ።

ቀጻልነት፡ ብቀጻልነት ዘለዎ መጎዓዚያ ኣቢልካ ናይ መጻኢ ወለዶታት ከባቢያዊ ጥዕና ክመሓየሽ ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ሽቶና ቀጻልነት ዘለዎን ንጸገማት ተጻዋሪን ዝኾነ ናይ መጎዓዚያ ስርዓት ኣቢልካ ነዚ ጸገም ናይ ኣየር ንብረት ለውጢ ምፍታሕ እዩ።

ንናብራ ተመራጺ ምዃን፡ መጎዓዚያ ኣብ ምሕጋዝ መዓልታዊ ህይወት ኣገዳሲ ከምዝኾነ ንኣምን። ሽቶና ጎደናታትናን ናይ ኣጋር መገዲታትናን ህዝባዊ መነባብሮ ብዘደንፍዕን ናይ ማሕበረሰብ ጥዕና ብዘመሓይሽን መልክዑ ምምሕዳር እዩ።

ብሉጽነት፡ ካብ'ዚ እነግልግሎ ዘለና ማሕበረሰብ ትጽቢታት ንላዕሊ ብዝኾነ መልክዑ ስራሕካ ብምስራሕ ኢና ንኣምን። ሽቶና ብሉጻት ስራሕቲ ንምስራሕ ቆሪጹ ዝተልዓለን ነቶም ኣብ ሎሚን ኣብ ጽባሕን ዝገጥሙ ብድሆታት ስዒርካ ንምውጻእ ዘኽእሎ ክእለታት ዘለዎ ጉጅለ ምህናጽ እዩ።

ሲያትል ድሮ ብዙሓት መደባት ዘለዉዋ ከተማ እያ። ንምንታይ እዩ ሓድሽ መደብ ዘድልየና? እንታይ ዝገብሮ ዝተፈለየ ነገር ኣሎ?

ንኹሉ ዝሓቁፍ መደብ ምውጻእ፡ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ንጉዳያት ምንቅስቓስ፣ ተበጻሕነትን ድልየታት ህዝባዊ ቦታታትን ኣብ እንኮ ሰነድ ከም ሓደ ስርዓት ጌሩ ፍታሕ ከቐምጠሎም እዩ። እቲ መደብ ነቶም ሐዚ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ናይ ኣጋር፣ ብሽክለታ፣ ትራንዚት፣ ከምኡድማ ናይ ጽዕነት ሞዳል መደባትና ነቶም ሐዚ ዘለዉን ናይ ቀጻልን ድልየታትና ብዘማልእ መልክዑ ክሕድሶ እዩ። መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ከም ናይ ሲያትል ራእይ ዜሮ (Seattle’s Vision Zero)፣ ተበግሶ ዓሌትን ማሕበራዊ ፍትሕን (the Race and Social Justice Initiative)፣ መደብ ስጉምቲ ናይ ኣየር ንብረት (Climate Action Plan)፣ ንድፊ መጎዓዝያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ (Transportation Electrification Blueprint)ን ካልኦትን ናይ ከተማ ተብግሶታት ዝሓቁፍ እዩ ክኸውን። ካብዚ ብተወሳኺ፣ ኣየኖት ስትራቴጂታት ንሲያትል ብዝበለጸ ዘገልግሉ ከምዝኾኑ ንምፍላይ ነቶም ብኻልኦት ክልላዊ ኤጂንሲታት መጎዓዚያ ዝማዕበሉ መደባት ክውከስ እዩ።

ናይ ሞዳል ውህደትን ስሉጥነትን፡ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል እቶም ናይ መንቀሳቐሲ ኣማረጺታት (ከም ብብሽክለታ ምንቅስቓስ፣ብእግሪ ምስጓም፣ ብትራንዚት ምጥቃምን ካልኦትን) ብሓባር ከምዝሰርሑ ብምሕጋዝ ንስኻ ምስ ዕድላት፣ ሰባት፣ ቦታታትን ንክትራኸብ ዝሕግዝ እዩ።

ናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ፡ ኣብ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ግልጽነት፣ ሓቛፊ ዝኾነ ተሳትፎን ከም ቀዳምነት ሰሪዕና ኣብ ምስራሕ ንርከብ። ንስኻን ጎረባብትኻን ብቐሊሉ ተሳተፍቲ ክትኮኑ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ኣቀራርባታት ክንጥቀም ኢና።

እቲ ማሕብረሰብ ኣብ ከይዲ ምውጻእ መደብ ብኸመይ እዩ ተሳታፊ ክኸውን?

ብኣኹም ዝምራሕ፡ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ብኣኹም ክምራሕ እዩ– ማሕበረሰባትና። ድምጽኻ ነዚ መደብ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ሓጋዚ ክኸውን እዩ። ነቶም ዓበይቲ ዝገጥሙና ዘለዉ ብድሆታት ንምፍታሕ ኣብ እንሰርሓሉ ግዜ ምስ ሓድሽ ራኢ ንከተማና ነቶም ካባኻ ዝመጹ ሓሳባት ክንሰምዕን መልሲ ክንህብን ኢና።

ኣብቶም ብልሙድ ኣሰራርሓ ካብ'ቲ መስርሕ ምድላው መደብ ዝተገደፉ ሰባት ጠመተ ምግባር፡ ምስ ኩሎም ኣብ መላእ ከተማ ሲያትል ዝርከቡ፣ ብፍላይ ድማ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ መስርሕ ምድላው መደብ ዝርስዑ፣ ከም ጸለምቲ ሰባት፣ ደቀባት እዚ ዓዲ፣ ኣባላት ናይ ሕብሪ ማሕበረሰብ ዝኾኑ፣ እቶም LGBTQIA+ ዝኾኑ፣ እቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ፣ ናይ ስደተኛ ማሕበረሰባትን እቶም ኣብ ገዛኦም ቋንቋ እንግሊዘኛ ዘይዛረቡን፣ መናእሰይን፣ ዓበይቲ ሰባትን፣ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባት መጻኢ ናይ መጎዓዚያ ስርዓትና ቅርጺ ንምትሓዝ ርክብ ክነካይድ ኢና።

ምስ'ቲ ማሕበረሰብ ናይ ቀረባ ርክብ ንዘለዎም ኣካላት ዓቕሚ ምህናጽ፡ ምስ እቶም ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበሩ ትካላትን ምስ ህዝባዊ ርክባት ክፍሊ ኣካባቢ ሲያትል (Seattle Department of Neighborhoods Community Liaisons)ን ብሓባር ብምዃን ምስ እቶም ማሕበረሰባትና ዘለና ምትሕግጋዝ ዝሃንጽ ናይ ተሳትፎ መስርሕ ኣብ ምምዕባል ብሓባር ንሰርሕ ኣለና፣ እዚ ድማ ኩሉ ሰብ ብቐሊሉ ተሳታፊ ክኸውን ዝገብርን፣ ናይ ዓሌታዊ ማዕርነት መሰረት ዝሃንጽን እዩ።

ሓደሽቲ ናይ ተሳትፎ ስትራቴጂታት፡ ነዚ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ናይ ተሳትፎ መስርሕ ብምጥቃም፣ ሰባት ዓሌታዊ ፍትሒን ማዕርነትን ብዘለዎ መልክዑ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ቀሊል ኣብ ምግባር ኣበርቲዕና ንስርሕ ኣለና። ካብ ብዙሓት ሰባት ክንሰምዕ ኢና፣ ብዙሕ ግዜ ዝግለሉ ማሕበረ-ሰባት ምስታፎም ምርግጋጽ፣ ከምኡድማ ሰባት ተሳትፎኦም ትርጉም ከምዘለዎ ኮይኑ ክስምዖም ምሕጋዝ። ኣብ'ዚ ቀጻሊ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ኮቪድ-19 ለበዳ ንህዝባዊ ጥዕና ቀዳምነት ሂቦም ዝሰርሑ፣ ባህላዊ ትርጉም ዘለዎም፣ ተባጻሕቲን፣ ኣሳተፍቲን ዝኾኑ ስትራቴጂታት ተጠቒምና ኢና ነዚ ክነካይዶ።

ርኢቶታትካ ኣዝዮም ኣገደስቲ ክፋል ናይ'ዚ ከይዲ ክኾኑ ኢዮም፣ ብምዃኑ ንመላእ ሲያትል ዘገልግል መደብ ኣብ ምምዕባል ምሳኻን ምስ ጎረባብትኻን ብሓባር ክንሰርሕ ትጽቢት ንገብር።

መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ምስ ሓፈሻዊ መደብ (Seattle Comprehensive Plan Update) ብኸመይ እዩ ዝተሓሓዝ?

እዚ ናይ ሓፈሻዊ መደብ ሲያትል (Seattle Comprehensive Plan) ዝተመሓየሸ ሰነድ - መደብ ሓንቲ ሲያትል (One Seattle Plan)-ኣብ'ተን ዝቕጽላ ዒስራ ዓመታት ብዛዕባ ሲያትል ከመይ ትዓብን ትምዕብልን ኣገደስቲ ውሳነታት ዝመርሕ እዩ ክኸውን።

ንክልቲኦም መደባት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ንምምዕባል ምስ ቤት ጽሕፈት ትልሚን ማሕበረሰባዊ ምዕባለን (Office of Planning and Community Developmen) ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና። ክልቲኦም ማለት መደብ መጎዓዝያ ሲያትልን መደብ ሓንቲ ሲያትልን ብሓባር ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዘጋጥሙ ናይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ናይ ስራሕ ዕድል፣ ከምኡድማ ናይ ማሕበረሰባዊ ወፍሪታት መልሲ ዝህቡ እዮም ክኾኑ።

ዝያዳ ንምፍላጥን ን ናይ ሲያትል ዓብዪ ስእሊ ኣብ ቀጻሊ እዋን ንምምራሕ ዘኽእሉ ሓሳባትካ ንምክፋልን ናብ'ቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ትልሚን ማሕበረሰባዊ ምዕባለን ዝኾነ (OPCD) መደብ ሓንቲ ሲያትል One Seattle Plan website ብጻሕ።

መስርሕ ኣከባብያዊ ክለሳ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል እንታይ እዩ?

መደብ መጎዓዝያ ሲያትል ብናይ ስተይት ከባብያዊ ፖሊሲ ሕጊ (State Environmental Policy Act) መስርሕ ክለሳ (ገምጋም) ክሓልፍ እዩ። ሕጊ ስተይት ከባብያዊ ፖሊሲ (SEPA) ኣብ እዋን መደብ ምውጻእን ውሳነ ምግባርን ንኣከባብያዊ ክብሪታት ኣጸቢቑ ኣብ ግምት ከምዘእትዎም የረጋግጽ።

ርኽበታት መግለጺ ኣካባቢያዊ ጽልዋ (EIS) ንግሉጽነት ዘለና ተወፋይነት ዘደልድሉን ብሓበሬታ ዝተሰነየ ውሳነ ኣብ ምሃብ ኣበርክቶ ዝገብሩን እዮም። እቶም ኣብ መግለጺ ኣካባቢያዊ ጽልዋ (EIS) ዝሃብካዮም ርእይቶታት፣ ምስ'ቲ ንትልሚ መጉዓዝያ ሲያትል (STP) ዝተዳለወ ዝዓበየ ናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ ዝተረኸበ እታዎት ብመስርዕ ይወሃሃዱ ኣለዉ።

ዳህሳሳዊ ርእይቶ ዝወሃበሉ ግዜ፡ 16 ሰነ – 29 ሓምለ 2022

ኣብ'ቲ ናይ ርእይቶ መውሃቢ ግዜ ርእይቶኹም ዝሃብኩምና ኩሉኹም የቐንየልና። እቲ እትህቡና ርእይቶ ኣብ'ቲ ናይ ከባቢያዊ ጽልዋ መግለጺ እንታይ ክካተት ከም ዘለዎ ኣብ ምሕባር ይርከብ።

Transportation

Greg Spotts, Director
Address: 700 5th Ave, Suite 3800, Seattle, WA, 98104
Mailing Address: PO Box 34996, Seattle, WA, 98124-4996
Phone: (206) 684-7623
684-Road@seattle.gov

Newsletter Updates

Subscribe

Sign up for the latest updates from Transportation

The Seattle Department of Transportation (SDOT) is on a mission to deliver a transportation system that provides safe and affordable access to places and opportunities for everyone as we work to achieve our vision of Seattle as a thriving, equitable community powered by dependable transportation.