Tigrinya Language Information from Emergency Management
ንገዛኻን ስድራ ቤትካን ንመጻኢ ኣዳሊኻ ምጽናሕ
መቅዘፍቲ (ሓደጋ) ኣብ ዝኾነ እዋን መጠንቐቕታ ከይሃበ ክወርድ ይኽእል እዩ። ኣቐዲምካ ተዳሊኻ ብምጽናሕ ንንብስኻን ንቤተሰብካን ካብ ክመጽእ ዝኽእል መቅዘፍቲ (ሓደጋታት)ንምድሓን ነሓድሕድኩም ንኽትተሓላለው ዝጠቅም እዩ። ኩሉ ውልቀ-ሰብ ክፍጽመን ዝኽእል ለውጢ ንምምጻእ ዝሕግዛ ሰለስተ ነግራት ኣለዋ።
- መደብ ኣዳሊኻ ምጽናሕ -ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኩሉም ኣባላት ስድራ ብሓንሳብ ከይህልዉ ስለዝኽእል ናብ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ብዛዕባ ምኻድ፡ ኣብ ሞንጎኹም ቀጻሊ ርክብ ምፍጣር ዝክኣለሉ መገድታት፡ ከምኡውን ድሕሪ እቲ ክፍጠር ዝኽእል ሓደጋ ኣበይ ክትራኸቡ ከምትኽእሉ ኣቕዲምካ መደብ ኣዳሊኻ ምጽናሕ ኣድላዪ እዩ። ·
- ዝጠቀሙ ነገራት ቀሪብካ ምጽናሕ -ቅድሚ ሓደጋ ምብጽሑ ንእዋን መቅዘፍቲ (ሓደጋ) ዘድልዩ ነገራት ቀሪብካ ምጽናሕ የድሊ። እንተውሓደ ድማ ማይ፡ መግቢ፡ ላምባዲና፡ ዘሟሙቑን ጥለት ዝካላኸሉን ተወሰኽቲ ክዳውንቲን ኮቦርታታ ከምኡውን ቀዳማይ ረድ ኤት ንምሃብ ዝጠቕሙ ነገራት ቀሪብካ ምጽናሕ የድሊ። ·
- ንንሕድካ ምትሕግጋዝ -ምስ መሓዙትኻን ጎረባብትኻን መደባት ኣውጺእካ ድሕሪ ምጽናሕ ነንሕድሕድካ ከምትሕግጋዝ መደባት ምድላው። ነዞም ዝስዕቡ መርባባት ብምውካስ ሓደጋ ወይ መቕዘፍቲ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ተወሰኽቲ ሓበሬታ ምርካብ ዝክኣል እዩ።
ብቋንቋ ትግርኛ ካብ ናይ ህጹጽ ኩነታት ምሕደራዝወሓብ ሓበሬታ (ኢመርጀንሲ ማኔጅመንት)
- ካብቲ ዘለኻዮ ቦታ ወጽኢ ናይ ዝርከብ ሰብ ቁጽሪ ቴሌፎን (Out of Area Phone Contact)
- ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ብኽመይ ምድሓን ይክኣል (How to be Safe in an Earthquake)
- ኣብ እዋን ሕጹጽ ኩነታት እንታይ ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ፡ ኣብ እዋን ሕጹጽ ኩነታት ስድራ ቤታት ዝካየዱሉ መደብን ክቕረብዎ ዝግብኦም ነገራት (What to do in an Emergency: Family Emergency Plan and Emergency Kit)
- ንድልዉነት ዝምልከት መብጽዓታት (Preparedness Promise List)
- ክፍጠር ንዝኽእል መቕዘፍቲ ተዓቊሩ ዝጽንሕ ማይ-ብሊትሮታት (Store Emergency Water for Disasters - Liters)
- ክፍጠር ንዝኽእል ሓደጋ ወይ መቕዘፍቲ ተዓቊሩ ዝጽንሕ ማይ-ብጋሎናት (Store Emergency Water for Disasters - Gallons)
- ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ መሬት ካብ ሓደጋ ንምዳሓን ዝሕግዝ ሓበሬታ ትረኽበሉ ሕብሪ ዝልከይ መጽሓፍ (Quakesafe Coloring Book)
- ካርቦን ሞኖኦክሳይድ ወይ ድማ ናብ ውሽጢ እንተስተንፊስናዮ ሓደገኛ ዝኾነ ኣየር (Carbon Monoxide)