Thai / ไทย

ድምጽኹም ኣብ መረጻ Seattle ከም ዝስማዕ ኣረጋግጹ

ዲሞክራሲ ቫውቸር ነበርቲ Seattle ኣብ መረጻ ከተማ Seattle ንዝድግፍዎም ሕጹያት ገንዘባዊ ኣበርክቶ ዝገብሩሉ መንገዲ እዩ። እዚ መደብ ብመራጽቲ ብዝጸደቐ ግብሪ ንብረት ዝምወል ኮይኑ፣ ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ንብረት ኣብ ዓመት ኣስታት 8 ዶላር ኣብዚ መደብ የውጽእ።

ቫውቸር ዲሞክራሲ እንታይ እዩ?
ዲሞክራሲ ቫውቸር ንነበርቲ ብቤት ምኽሪ ከተማ Seattle ይወሃብ። ዲሞክራሲ ቫውቸራት ነፍሲ ወከፎም 25 ዶላር ዝዋግኡ ምስክር ወረቐት ኮይኖም፣ ነበርቲ Seattle ንናይ ከባቢ መረጻ ጎስጓሳት ገንዘብ ንምውፋይ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ።

ንምንታይ ኢና ናይ ዲሞክራሲ ቫውቸር ንጥቀም?
ተሳትፎኹም ለውጢ የምጽእ እዩ። ፕሮግራም ቫውቸር ዲሞክራሲ ቁጽርን ብዙሕነትን ነበርቲ Seattle ንጎስጓስ መረጻ ገንዘብ ከወፍዩን ንቤት ጽሕፈት ክወዳደሩን ዝኽእሉ ንኽዓቢ ሓጊዙ እዩ። 

ኣየኖት ሕጹያት እዮም ናይ ዲሞክራሲ ቫውቸር ክረኽቡ ዝኽእሉ?
ኣብ Seattle ንCity Council፣ City Attorney ወይ Mayor ዝወዳደሩ ሕጹያት ጥራይ እዮም ንወፍሪኦም ንምድጋፍ ቫውቸርኩም ክቕበሉ ዝኽእሉ።

ብዛዕባ እቶም ሕጹያት ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል? 
ናብናይ ተሳታፍቲ ሕጹያት ገጽ ተሳተፍቲ ሕጹያት ብምእታው ርኸብዎም። ስለ ሕጹያት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምፍላጥ ናይ ሕጹያት መፋለጢታት ያንብቡ።

ዝቕጽል ምርጫ ምምሕዳር ከተማ Seattle መዓስ እዩ?
ዝቕጽል መረጻ ምምሕዳር ከተማ Seattle ኣብ 2025 ዓ.ም ይካየድ። እቶም ናይ ዲሞክራሲ ቫውቸራት ካብታ ዝረኸብኩምሉ ዕለት ጀሚርኩም ክሳብ 29 ኖቬምበር 2025 ዓ.ም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ምስ እተማልኡ ዲሞክራሲ ቫውቸር ክትቅበሉ ትኽእሉ ኢኹም፤

  • ናይ Seattle ነባሪ ምዃን፣
  • እንተወሓደ ዕድሜኹም 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎን
  • ናይ U.S. ዜጋ፣ ናይ U.S. ናሽናል ወይ ሕጋዊ ቀዋሚ ነባሪ (ግሪን ካርድ ዝሓዙ) ምዃን።

ናይ ዲሞክራሲ ቫውቸር ንምርካብ ግድን ምዝጉብ መራጺ ክትከውን ትጽቢት ኣይግበረልኩምን። ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ረቛሒታት እንተ ኣማሊእኩም፣ ንቫውቸር ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ዝኾነ ዓይነት ሕቶ ምስ ዝህልወኩም በጃኹም ናብ (206) 727-8855ደውሉ። ብነጻ ዝቐርብ ናይ ቋንቋ ትርጉም ኣገልግሎት ምርካብ ይከኣል። 

ነዞም ናውቲታት እዚኦም ኣውሪድኩም ንማሕበረሰብኩም ከተካፍሉዎም ወይ’ውን ክትሓትምዎም ትኽእሉ ኢኹም። 

ናይ ዲሞክራሲ ቫውቸር መመልከቲ

ናይ ነባሪ ብሮሹር

ናይ ነባሪ በራሪ ወረቐት 

ናይ ሕጹይ በራሪ ወረቐት

ናይ DVP (ዲቪፒ) ፖስተር

ናይ መተካእታ ሕቶ ቅጥዒ