Tigrinya/ ትግርኛ

ኣብ ምርጫ ሲያትል ድምጽኻ ክስማዕ ግበር

መደብ ቫውቸር ዲሞክራሲ ንነበርቲ ሲያትል ኣብ ከባብያዊ ምርጫታት ንኽሳተፉ ሓይሊ ይህቦም ከምኡ’ውን ምንጪ ምወላ ብምቕራብ ንቤት ጽሕፈት ንኽወዳደሩ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት የጉድል።

ደሞክራሲ ቫውቸር እንታይ እዩ?
ከተማ ሲያትል ንተቐማጦ ደሞክራሲ ቫውቸር ተቕርብ እያ። ናይ ዴሞክራሲ ቫውቸራት ተቐማጦ ሲያትል ነቲ ኣብ'ቲ ከባቢ ዚግበር ወፈራታት ወፈያ ንምግባር ዚጥቀሙሉ ነፍሲ ወከፎም 25 ዶላር ኣሜሪካ ዝዋጋኦም ምስክር ወረቐታት እዮም።

ኣየኖት ሕጹያት ተወዳደርቲ እዮም ደሞክራሲ ቫውቸር ኪቕበሉ ዚኽእሉ?
እዚ መደብ ንሕጹያት ኣማራጺ/ወለንታዊ እዩ። ኣብ'ቲ ፕሮግራም ዝሳተፉ ሕጹያት ተወዳደርቲ ነቶም ቫውቸራትካ ክቕበሉ ይኽእሉ እዮም። ደሞክራስያዊ ቫውቸራት ነቶም ን ቤት ምኽሪ ከተማ፣ ናይ ከተማ ጠበቓ፣ ወይ ከንቲባ ሲያትል ዝወዳደሩ ሕጹያት ክውፈዩ ዝኽእሉ እዮም።

እቲ ዝቕጽል ኣብ ከተማ ሲያትል ዝግበር ምርጫ መዓስ እዩ?
እቲ ቐጺሉ ኣብ ከተማ ሲያትል ዝግበር ምርጫ ኣብ 2024 እዩ ክግበር። ዲሞክራሲ ቫውቸር ካብ ማርች 12፣ 2024 ክሳብ ኖቨምበር 29፣ 2024 ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ደሞክራሲ ቫውቸራት ክትረክብ ትኽእል እንተደኣ ከምዚ ዝስዕብ ኮይንካ፦

  • ተቐማጢ ሲያትል ኮይንካ፣
  • እንተወሓደ ዕድሜኻ 18 ዓመት እንተኾይኑ፣ ከምኡ'ውን
  • ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዜጋ ኮይንካ፣ ብሄራዊ መበቆልካ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኾይኑ፣ ወይ ድማ ሕጋዊ ቀዋሚ ነባሪ (ግሪን ካርድ ዘለካ) ኮይንካ።

ናይ ዲሞክራሲ ቫውቸር ንምርካብ ግድን ምዝጉብ መራጺ ክትከውን የብልካን። ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እንተ ኣማሊእኩም፣ ቫውቸር ንምርካብ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዛዕባ እቶም ሕጹያት ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል?
ብዛዕባ እቶም ንቤት ጽሕፈት ዚወዳደሩ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንምፍላጥ ነቲ ሌላ ምስ ሕጹያት ዝብል ገጽ ተወከስ።  

ተሳታፊ ሕጹይ ንምርካብኣብ ገጽ ተሳተፍቲ ሕጹያት ተወከስ  

ሕቶታት?  ብኽብረትካ ናብ (206) 727-8855 ደውል (ናይ ቋንቋ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ)።

ነዚ ናውቲ እዚ ኣብ ማሕበረሰብካ ኽትጥቀመሉ ክተውርዶ/ዳዉንሎድ ክትገብሮ ወይ ድማ ፕሪንት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። 

ምልክታ ንመደብ ዴሞክራሲ ቫውቸር

ብሮሸር ነባሪ

በራሪ ጽሑፍ ነባሪ 

በራሪ ጽሑፍ ሕጹይ

ፖስተር

ናይ ምትካእ ሕቶታት